Thursday, June 25, 2015

ኣመሓደርቲ ከተማ ሸራሮ ናብ’ታ ከተማ ዝምደቡ ሰራሕተኛታት ቤት ፅሕፈት ፋይናንስ ምኽንያታት እናፈጥሩ ይኣስርዎም ከም ዘለዉ ተገሊፁ።



ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሸራሮ ኣብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ፋይናንስ ተመዲቡ ዝሰርሕ ዝነበረ ጌታቸዉ ዝተብሃለ ዉልቀ ሰብ ኣብ’ታ ከተማ ምስ ዝርከቡ ኣመሓደርቲ ስምምዕ ስለ ዘይነበሮ ጥራሕ ምኽንያታት እናፈጠሩ ብተደጋጋሚ ክኣስርዎምን ከገላትዕዎን ድሕሪ ምፅናሕ ኣብ መወዳእታ ብዘይ ዝኾነ ገበን ናይ ፈጠራ ክሲ መስሪቶም ባዕሎም መስከርቲ ባዕሎም ዳይነቲ ኮይኖም ንሓሙሽተ ዓመት ክእሰር ምስ ወሰንሉ ነባሪ ህዝቢ ኣብ ምቅዋም ከም ዝርከብ ተገሊፁ።
ንተቓዉሞ ህዝቢ ቆላሕታ ዘይሃብዎ ፀረ ህዝቢ ካድረታት እቲ ስርዓት ነቲ ደስ ዘይብሎም ሰብ ኣሲሮም ካልእ ሃደራ ተወልደ ዝተብሃለ ሓዱሽ ሰራሕተኛ ናብ’ቲ ቤት ፅሕፈት ፋይናንስ ቆፂሮም እኳ እንተነበሩ ንሱ‘ዉን በቲ ዝደልይዎ ኣሳሳይ ተግባሮም ኮይኑ ስለ ዘይረኸብዎ ገና ኣብ ስራሕ ምጅማሩ ሽርሕታት ፈጥሮም ብምኽሳስ ኣብ ቤት ፍርዲ የመላልስዎ ከም ዘለዉ ምንጭታትና ካብዝለኣኽዎ ካብ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።