Thursday, June 25, 2015

ኣብ ከተማ ባህርዳር ዝነብሩ ብድግሪን ዲፕሎማን ዝተማረቑ ተማሃሮ ሰበ ስልጣን ገዛኢ ስርዓት ላዕለዎት መኮንናት ክትማሃሩ ዉትህድርና ተቖፀሩ ብምባል ከታልሉ ኣብ ዝፈተኑ ተቓዉሞ ከም ዘጋጠሞም ተገሊፁ።



ብመሰረት እቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ባህርዳር ዝነበሩ ካብ ዝተፈላለያ ዩኒቨርሲቲታት ብድግሪን ዲፕሎማን ተመሪቖም ስራሕ ዘይረኸቡ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ተማሃሮ ሰበ ስልጣን ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ብ10 ሰነ 2007 ዓ.ም “ላዕለዎት መኮንናት ኮይንኩም ክትስልጥኑ ብመንግስቲ ባይታ ተመዓራርዩ ኣሎ” ብምባል ናብ ዉትህድርና ክቑፀሩ ኣብ ዝገብርሎም መደናገሪ ፃዉዒት ብወለዲ ናይ’ቶም ተማሃሮ ዓብዪ ተቓዉሞ ከም ዘጋጠሞም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ወለዲ ናይ’ቶም ተማሃሮ ካብ ዝቐረበ ሓሳባት፦ ደቅና ዘምሃርናዮም ንህዝቦም ብትምህርቶም ብምግልጋል ሃገር ከልምዑ፤ ድኽነትን  ድንቁርናን ከጥፍኡ ድኣ’ምበር ተማሂሮም ዉትህድና ተዓስኪሮም መሸቀጢ ዉሑዳት ሰበ ስልጣን ገዛኢ ስርዓት ክኾኑ ኣይንፈቅድን ብምባል ነባሪ ህዝቢ ብሓደ ድምፂ ከም ዝተቓወሞም ተፈሊጡ።