Thursday, June 25, 2015

ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ዓብደ-ራፍዕ ፍሉይ ቦታ ኣዋጢር ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ መነንቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቛት ኣብ ልዕሊ መጋበርያ ናይ’ቲ ስርዓት ዝኾኑ ተለኣኣኽቲ መጥቃዕቲ ከም ዝፈነው ተገሊፁ።



   እዞም መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቛት ኣብ ዓብደ-ራፍዕ ኣዋጢር ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ብሽም ፀጥታ ምኽባር ኣብ ልዕሊ እትንቀሳቐስ ዝነበረት ሓንቲ ጋንታ ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ብዝፈነውዎ መጥቃዕቲ 3 እንትቐትሉ 4 ድማ ብከቢድ ከም ዘቑሰሉ ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ዝለኣኸዎ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ እቲ ብ3 ሰነ 2007 ዓ/ም ኣብ ልዕሊ ዕጡቛት ሰርዓት ኢህወዴግ ዝተወሰደ መጥቓዕቲ ካብ ዝቖሰሉ ንምጥቃስ፦ በርሀ ግርማይ፤ መሓሪ ደስበለ፤ ይካኣሎ  ገብረማርያምን  ሓጎስ ታደሰን  እንትኾኑ ካብዚኦም ወፃኢ በቲ ዘጋጠሞም መጥቃዕቲ ምስተበተኑ ናብ ቦትኦም ዘይተመልሱ  ኣለዉ ዝብል ኣብ ነበርቲ መዘራረቢ ዛዕባ ኮይኑ ምህላዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።