Friday, October 30, 2015

ብሰነ ምግባር ዘይተሃነፁ ሰራዊት ምክልኻል ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ብዘይ ፍቓድ ከተማ ከይድኩም እናተብሃሉ መብዛሕትኦም ወተሃድራዊ ቅፅዓት ይቕፅዑ ከም ዘለው ተገሊፁ።



ምንጭታትና ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ ኣብ ትሕቲ እዚ ሰሜን ኣብ ዝርከባ ክፍለ ሰራዊት ዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ኣብ ዝደለይዎ ግዜ ናብ ከተማ ክኸዱ ስለ ዘይፍቀደሎም ብኢደ ወነነም መሊቖም ናብ ከተማ ኣብ ዝኸድሉ ድማ ሓለፍቶም ንምንታይ ከተማ ከይድኩም ብዝብል ዝቕፅዑ ወተሃደራት ብርክት ዝበሉ ከም ዝኾኑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ወሲኹ እቲ ሓበሬታ እቶም ኣባላት ሰራዊት ናይ'ቲ ስርዓት ካብ መጀምርይኡ ነቲ ዉትህድርና ብገንዘብ ተታሊሎም ዝኣተዉዎ እምበር ብሓቂ ኣሚነምሉ ስለ ዘይኣተዉን ብድስፕሊን ዝተሃነፁ ስለ ዘይኮኑን ነቲ ብዓይኒ ጥርናፈ ከኽብርዎ ዝወርደሎም መምርሒ ፍፁም ብቑም ነገር ስለ ዘይቕበልዎ ደስ ኣብ ዝበሎም እዋን ዘቕረብዎ ሕቶ ፍቓድ እንተዘይ ተመሊሶሎም። ከም መፍትሒ ባዕሎም መሊቖም ምኻድ ከም መማረፂ ስለ ዝጥቀምሉ በቢ ኣሃዱኡ ዝተፈላለየ ዓይነት መቐፃዕቲ ዝቕፅዑ ወተሃደራት ምዕዛብ ልሙድ ከም ዝኾነ ካብኡ ሓሊፉ 'ዉን ብዘይ ፍቓድ ንዓዱ ዝኸድን ናብ ከተማ ብዘይ ፍቓድ ዝኸይድ ዝደጋገመን ተባሂሉ ተኣሲሩ ዝሳቐ ብዙሕ ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ ኣገንዚቡ።        
ኣብቲ ዝወሃቦም ክብደት ቅፅዓት ንሓደ ዓይነት ጥፍኣት ካብኡ ናብኡ ሌላን ጉሌናን ስለ ዝገብርሉን እቲ ዝንቡዕ ቅፅዓት ልዕሊ ዓቕሞም ዝኾኖምን ወተሃደራት ድማ ግዜ ተፀብዮም ነቶም ከምኡ ዝገብሩ መራሕቲ ይቐትልዎምን ነቲ ዉትህድርና ራሕርሐሞ ይጥፍኡን ምህላዎም ኣብ መወዳእታ ኣፍሊጡ።