Tuesday, November 17, 2015

እቲ ዝባሃል ኣይትግበርን እቲ ዘይትግበር ምዝራብ ግን ልሙድ ዕማም መራሕቲ ኢህወዴግ እዩ!! 3ይ ክፋል



መራሕትን ካድረታትን ኢህወዴግ ሓቂ ናይ ምቕባል ባህልን ልምድን ስለ ዘይብሎም ንዝቐርበሎም ነቐፌታን ንዝፍፅሞ ስሕተትን ከመኽንዩ ግድን እዩ። ነዊሕ ከይከድና ወፃኢ ጉዳያት ኢህወዴግ ቴድሮስ ኣድሓኖም ምስ ቪኦኤ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ናትና ዴሞክራሲ ኣይዓበየን። ዴሞክራሲ ንኽዓቢ ክሕቆፉ ዘለዎም ከም ትምህርቲ ንቕሓት ሕ/ሰብ ሃይማኖት ብሄራዊ ብዙሕነትናን ኣብ ግምት ዘኣተወ ደፋእታዊ ከይዲ ምስ ዝህሉ እዩ። ክብል ንጋዜጠኛ ሬድዮ ኣሜሪካ ትዝታ በላቸው መልሲ ክህብ ይዝክር እየ።

ንሃይማኖት ምስ ፖለቲካ ምትሕውዋስ ኣድላይነቱ ንፁር ስለ ዘይኮነን እቲ ሃለውለው ስለ ዘይውዳእን ካብቲ ነጥቢ ከይወፃእኹ ንሕ/ሰብ ከንቅሕ ዝግበኦ መን ድዩ? ዝብል ሕቶ ብምልዓል እቲ ን25 ዓመታት ንህንፀት ዴሞክራሲ ከም ዝሰርሕ ቃል ክኣትወልና ዝፀንሐ ኢህወዴግ እንታይ ኣበርክቶ ገይሩ እንተኢልና መልሲ የለን።

ብኻልእ ኣገላልፃ ዝርግሐ ትምህርቲ ኣብ ኩሉ ምብፃሕ መሃይምነት ብምጉዳልን ኣፍራይ ሓይሊ መንእሰይ ከም ዝሃንፅን ዕቤታ ጎሊሑ ዝረአ ሃገር ከም ዝመስረቱን ዝምድሩ ኢህወደጋውያን ሎሚ ትምህርትን ንቕሓትን ይጎድል’ዩ ክብሉና ከለዉ ኣብ ኣበርክቶ ምሕደራ ፖለቲካ ህንፀት ዴሞክራሲ ቁጠባን ጥዕናን ጉሉሕ ሚና ዘይራኣዮ ፖሊሲ ትምህርቲ ዳኣ ቀደሙስ እንተኾኑ ንምንታይ ክኽተልዎ ፀኒሖም ኢልና ሞጎታውያን ሓሳባት ክነልዕል ከገድደና እዩ።

ብስነ መጎት ዝምራሕ ሰብ ግን ከምዚ ዓይነት ሓሳባት ከልዕሉ ኣይካኣሉን ምኽንያቱ ድኹም ስርዓተ ትምህርቲ። ድኹም ንቕሓት ዘለዎ ማሕበረሰብ ‘ዩ ዘንፀባርቕ ቴድሮስ ኣድሓኖም ብቓል ከም ዝገለፆ ድኹም ንቕሓት ሕ/ሰብ ዕንቅፋት ሰናይ ምምሕዳርን ዴሞክራሲን ክኸውን ግድን እዩ። ዴሞክራሲ ክህነፅ ዘይደልዩ መራሕቲ ኢህወዴግ ንቕሓት ሕ/ሰብ ጅሆ ብምሓዝ ብብልሽው ስርዓተ ትምህርቲ መፃኢ ወለዶ ብምቕታል ብዘይተቓውሞ ኣብ ስልጣን ክቕፅሉ ስለ ዝብህጉ እዩ።

እንተኾነ ግን ኩሉ ህዝቢ ቤት ትምህርቲ ወሪዱ ይማሃር እዩ እኳ እንተዘይበልኩ ፀገም ንባዕሉ ናይ ተመክሮ ቤት ፍልጠት ስለ ዝኾነ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሽግርን መከራን ስሒልዎ እዩ። ከም ውፅኢቱ ድማ ብናፍቖት ዴሞክራሲ ባዶ ኢዱ ብምውፋር ጠበንጃ ወያነ ምስ ዝዓጠቐ ዕሱባት እናተጋፈጠ መሰሉ ኣብ ምሕታትን ቃልሱ ኣብ ምብርታዕን ተስፋ ዝህብ ምንቅስቓስ ይገብር ኣሎ።

ብኣገላልፃ እቲ ሚኒስተር ንቕሓት ዘይምህላዉ ንህንፀት ዴሞክራሲ ዕንቅፋት ከም ዝኾነ ‘ውን ኩሉ ኩሎም ዴሞክራሲ ንኸይህነፅ ዝዕንቅፉ መራሕቲ ንቕሓት ዘይብሎም ምዃኖም ርጉፅ እዩ። ንህንፀት ዴሞክራሲን ሰናይ ምሕደራን ዕንቅፋት ኮይኖምና ዘለዉ እምባኣር መራሕቲ ኢህወዴግ ባዓልቶም ስለ ዝኾኑ ኣብ ተርታ ዘይነቕሑ ዝብል መዝገብ ኣስፊርናዮም እንተሓለፍና ክቐልል እዩ።

እቲ 2ይ ዴሞክራሲ ንኽዕምብብ ‘ዉን ነጥቢ ኮይኑ ዘገልግል ስርዓት መረፃ ነፃን ገለልተኛን ታኣማንን ብዝኾነ መንገዲ ምስ ዝፍፀም ስለ ዝኾነ። ኢህወዴግ ኣብ ባይታ እንታይ ይመስል ንምፍራድ ነቲ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ዘካየዶ ናይ 2007 ዓ/ም መረፃ ጥራሕ ምውካስ ኣኻሊ እዩ።

ታኣማንን ፍትሓውን መረፃ ንምርኣይ ገለልተኛ ተዓዛቢ መረፃ ንኹሉ ብማዕርነት ዘገልግል ህዝባዊ ምርጫ ቦርድ ንኹሎም ሰልፍታት ብማዕረ ዝምልከት ስርዓተ ምሕደራ /ፓርትያዊ ቅጥዒ/ ፍትሓውን ግልፅን ከይዲ መረፃ ዕላማታት ፖለቲካውያን ውድባት ናብ ዜጋታት ዘብፅሕ ምዕሩይ ተጠቃምነት ሚድያን ሓበሬታን ዓፅይዎ ሰንደቕ ምርጫን ገለልተኛ ቆፃርን ከምኡ ‘ውን ቅድምን ድሕርን መረፃ ድሕነት ዜጋታት ዝሕሉ ሕጋውን ዝተረጋግአን ባይታ ምስ ዝፈጥርን ተናሓናሕቲ ምስ ዝህሉ እዩ ፍትሓዊ መረፃ ክካየድ ዝኽእል።

እዚ እንተዘይተማሊኡ እቲ ዝካየድ መረፃ ክትኣምኖ ዘፀግም ለውጢ ዘይብሉን ምዃኑ ርዱእ እዩ። ቅድሚ መረፃ 2007 ዓ/ም ክስዕብ ንዝኽእል ስግኣታት ንምውጋድ ዳርጋ ቅድሚ ሓደ ዓመት ናይታ ምርጫ ጀሚሩ ማእለያ ዘይብሎም ብሎገራት ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም ኣብ ኢንተርኔት ንዝዝርግሑ ፅሑፋትን ናይ ቴሌፎን መልእኽታትን ንምጥላፍ ካብ ቻይና ብሚልዮናት ዶላራት ሰባሪ ምስጢር መሳርሕታት ተገዚኡ ኣብ ረብሓ ኢህወዴግ ውዒሉ።

ንመረፃ መቃንዒ ዝተለገሰ ባጀት እናተጭበርበረ ተቓወምቲ ውድባት ፋይናንሳዊ ሽግር ገጢምዎም ክታኣጓጎሉ ክፃዓር ከሎ ነዚ ውዲት ንዘተግብሩን ዜጋታት ንዝቕንፅሉን ናይ ደህንነትን ፌደራልን ኣባላት ግን። ልዕሊ መጠን ናይ ውዕሎ ኣበል ይልገሰሎም ነይሩ። ንፁሃት ዜጋታት ፀለውቲ ፖለቲከኛታት ብምዃኖም ጥራሕ ኣብ ቃሊቲ ተሓቢሶም ተቐንፂሎም ብሰንኪ ሞት ተወከልቲ ተቓወምቲ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ኦሮምያን ናይ መረፃ ግዜ ክናዋሕ ብኢህወዴግ ናይ ሓይሊ ውሳነ ተዋሂቡ።

ኣብ ክልላት ሶማልያን ዓፋርን ኣብ ልዕሊ እቲ ተቓወምቲ ውድባት ዕድል ንኸይረኽቡ ዝተገብረ ዝተቐነባበረ ሽርሒ ናይ መረፃ ግዚኦም ተመጢጡ ጥራይ ዘይኮነስ ድምፂ ኣብተን ክልላት ዝነብር ህዝቢ ብኣላይነት ኣባላት ኢህወዴግ ስለ ዝተኻየደ ተመንዚዑ እዩ። ናይ ዓፋር ሶማል ጋምቤላን ቤንሻንጉልን ውድባት ኣጋር ኢህወዴግ ምዃነን ዝካሓድ ነገር የብሉን።

ሓያል ናይ ተቓውሞ ምንቅስቓስ ክራኣየለን ተባሂለን ዝተጠርጠራ ክልላት ትግራይ ኣምሓራን ከተማ ኣዲስ ኣበባን ካብ ቅድመ መረፃ ጀሚሩ ህዝቢ ኣማረፅቲ ሓሳባት ንከየስምዕ ናይ መአከቢ ኣዳራሻት ምኽልካል መራሕቲ ውድባት ምእሳር ናይ ስለላ ስልኳታት ብምክያድ ውድባት ምፍራስ። ተወከልቲ ብገንዘብ ምግዛእ ኣድላይን ወሳንን ኣብ ዝኾኑ ኣጋጣሚታት ድማ ኣካላዊ ማህሰይቲ ዘኸትል ገበናት ምፍፃሞምን ነፃነት ፕረስ ብጥብቂ ምዕፋኑን መን ይኽሕዶ ይኸውን?።

ኣብ ኢትዮጵያ መረፃ ዝባሃል ከይዲ ናይ ቀልዲ ጉያ እዩ። ቀልዲ ብቐልዱ ‘ውን ሂወት ዜጋታት ዝቐዝፍ ቀልዲ በዚ ኮይኑ በቲ መረፃ ተዛዚሙ ኢህወዴግ 100 ሚኢታዊ ከም ዘሸነፈ ተገሊፁ መንግስቲ ተመስሪቱ እቲ ዝገርም ሃ/ማርያም ደሳለኝ “ንዝመረፁናን ዘይመረፁናን ብፍትሓውነት ክነገልግል ኢና” ዝብል መብፀዓ ኣተወ። ኢህወዴግ ንዘይፈልጦ እቲ ዘረባ ክሕድሶ ይኽእል እዩ። ተመክሮ ኢህወዴግ ንዘረብረበናን ኣፀቢቕና ንእንፈልጦን ግን እቲ ዘረባ ዘቕሕርን ልቢ ዘሸፍትን ኮይኑ እዩ ተደሚፁ።
ኢህወደጋውያን ንመን ከታትልሉ ይኽእሉ ኣይኮነን ንዘይመረፆም ብፍትሓውነት ከገልግሉ ክመርፀና ኣይኽእልን ኢሎም ንዝገመትዎ ‘ውን መሰላቱ ብምዕጋት ካብ ብዙሓት ዕድላት ኮሊፎም ግዳይ መከራ ዘሳጥሕዎ መራሕቲ ምዃኖም ብግብሪ ክንርእዮ ፀኒሕና ኢና። ናይ መረፃ ካርዲ ኣይወሰድካን ብዝብል ምኽኝያት ብገንዘቡ ንዝገዝኦ መዳበርያ ዝተኸልከለ ብወለድ ንዝምልሶ ልቓሕ ዝተኸልከለ ኣባል ኢህወዴግ ብዘይምዃኑ ካብ ናይ ገበርቲ ሰናይ ርዳእታ ዝተሰረዘ ንሃለኽቲ ነገራት ካብ ቀበሌ ንምዕዳግ ዝተዓንቀፁ ዜጋታት ቁፅሮም ማእለያ የብሉን።

ካብ ዩኒቨርሲቲ ብዲግሪ ተመሪቖም ስራሕ ንምእታው ኣባልነት ህወሓት፤ ብኣዴን፤ ኦህዴድን ዴህዴግን ምዃኖም ዘረጋግፅ ፍሉይ መንነት ንክላበሱ ይግደዱ ነቲ ዝቐረበሎም ፖለቲካዊ መንገዲ እንተዘይተላቢሰሞ ኣስማቶም ፀረ-ልምዓታዊ መንግስትን፤ ዓንቀፍቲ ሰላምን ኣብ ዝብል ፀሊም መዝገብ ብላክ ሊስ ክሰፍሩ ይግበር።

ነታ ዝሓሰረት ናይ ጉልበት ዕዮ ምንፃፍ እምኒ ‘ውን ኣብ ፅላል ኢህወዴግ ንክሕቆፉ ግዴታ ይወርዶም ሓንቲ ኣንፈት ዴሞክራሲ ዘለዋ ሃገር ክስገሩ ዘይኽእሉ ናይ ዜግነት ቁጠባን ፖለቲካን መሰላት ንማንም ዜጋኣ ክተውሕሶ ግዴታኣ እዩ። ኢህወዴግ ግን ፖለቲካዊ መሰልስ ይትረፍ ዜግነታዊ መሰል ‘ውን ዝኽልክል ስርዓት እዩ።
ካብዚ እኳ እንተተበጊስና ነቲ ናትና ዴሞክራሲ ገና ኣይማዕበለን ዝብል ዘረባ መራሕቲ ኢህወዴግ ኣይማዕበለን ጥራሕ ዘይኮነስ ፈፂሙ የለን ንኽንብሎም ድፍረት ክስማዓና ይግባእ።