Friday, November 27, 2015

ሽግር መሬት ብምፅዋዕ ተጠቃምነት ህዝቢ ኣይረጋገፅን!!



መሬት ክበሃል ከሎ ኣብ ሓንቲ ሃገር ዝርከብ ሕ/ሰብ መንበሪኡን መቕበሪኡን ስለ ዝኾነ ህዝቢ ብማዕረ ክባፀሖን። ብክንክን ክሕዞን ክሕልዎን ግድን’ዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ቀዳሞት ወለድና መሬት ሃገርናን ዕቑር ከርሰ መሬትናን ክምዝምዙ ተሃንዲዶም ንዝወፈሩ ወረርቲ ብፅንዓት መኪቶም ነቲ ሎሚ ደረትና ነፊሕና ንዛረበሉ ታሪኽ ኣውሪሶምና እዮም።
ይኹን እምበር በቢ ግዚኡ ዝነበሩን ዘለውን መራሕቲ ሃገርና ተጠቃምነት መሬት ንህዝቢ ኣብ ምብፃሕ ይኹን ዋንነት ኣብ ምርግጋፅ ዝኽተልዎ ኣሰራርሓ ክረአ ከሎ ፍታሕ ዝሳኣነ ነባሪ ሕማም ኮይኑ እዩ ፀኒሑ።

እዚ ማለት ኣብ ሃገርና ካብ መሬት ዝበለፀ ሃፍቲ ብዘይ ምህላው። ንኢኮኖሚ ሃገርና ‘ውን መሬት ስለ ዝስከሞ በብእዋኑ ኣብ ስልጣን ዝመፁ መራሕቲ መሬት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅሮም ብምግባር ኣማራፂ ዘይብሉ ናይ ፖለቲካ መሳርሒ ገይረሞ እዮም ፀኒሖም።
ከም ውፅኢቱ መሬት ናይ ኩሉ ዜጋ ክኸውን እናተገበኦ ኣብ ውሑዳት ሰበ ስልጣንን መሻርኽቶምን ክውዕል ብምግባር ድኻ መሬት ከም ዘይምልከቶ ተቖፂሩ ኣገልጋልን ተዓዛብን ኮይኑ ንኽኸይድ ዝፈረድዎ ህዝቢ ኣንፃሮም ተላዒሉ ረብሓታቱን ተጠቃምነቱን ናይ መሬት ዋንነት ረኺቡ ብፅሒቱ ንምርግጋፅ ዝሓለፉ ክልተ ተኸታተልቲ ስርዓታት ብቓልሱ ሚሒዩ እኳ እንተደርበዮም እቲ ብቓልሲ ህዝቢ ናብ ስልጣን ዝመፀ ኢህወዴግ ‘ውን ብዝበኣሰ መልክዑ ቀፂሉዎ እዩ።
እዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ካብቶም ዝሓለፉ ስርዓታት ኣማሓይሸ ኢሉ ኣብ ሕገ መንግስቲ ንዘፅደቖ ናይ ከተማን ገፀር መሬትን ተፈጥራዊ ፀጋታትን ዝምልከት ብሹም ናይ ህዝብን ናይ መንግስትን ኢሉ ንዘስፈሮ ኣብ ተግባራውነቱን ተጠቃምነት ህዝብን ክረአ ከሎ ንግዕዝይናን ኣድልዎን ዝተቓለዐ ኮይኑ ኢና ንረኽቦ።

በቢ ግዚኡ ዘውፀኦም ናይ መሬት ኣዋጃትን ኣፈፃፅሙኡን ድማ ሽግር ህዝቢ ከናግፉ ተሓሲቡ ዘይኮነስ። ነቲ ስርዓት ረብሕኡ ብዝሕሉ መልክዑ ኮነ ተባሂሉ ዝወፅእ ብምዃኑ ነቲ ፀገም ካብ ዝነበሮ ብዝበኣሰ እናገደደ ክኸይድ ገይርዎ እዩ።

በዚ መሰረት ኣብ መላእ ሃገር ዝርከብ ህዝቢ ብዛዕባ ዕቤቱን መነባብርኡን ክፍተሽ ከሎ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ብዛዕባ መሬት ኢና ክነልዕል ትሕዝቶ መሬት ሓደ ገባር ሓረስታይ ሃገርና ብማእኸላይ ዝሓዞ ስፍሓት መሬት ሓደ ሄክታር ኣይበፅሕን ኣብ ርእሲ እዚ ዕድመ ኣከል ዜጋ ክረኽቦ ዝግበኦ ሕገ መንግስታዊ መሰሉ ብምስኣኑ ኣብ ፀባብ መሬት ናይ ስድርኡ ሓሙሽተ ሽዱሽተ ርእሱ ተፀፋፂፉ ክነብር ተገዲዱ ‘ሎ።

ኣብ ሃገርና ንፁር ዝኾነ ናይ መሬት ፖሊሲ ብዘይ ምህላው መራሕቲ ኢህወዴግ ኩሉ ኣብ ኢዶም ብምእታው ከም ድሌቶም ክሸጥዎን ካብ ህዝቢ እናመንጠሉ ንሰብ መዋእለ ንዋይ ክዕድልዎን ንዕዘቦም ኣለና ክንዲ ዝኾነ ኣብ ሃገርና ዝረአዩ ዘለው ናይ ኢኮኖሚን ማሕበራውን ፀገማት ቀንዲ መሰረቶም ምስ ምሕደራ መሬት ብዝተኣሳሰረ ብልሹው ኣሰራርሓ እዩ።
ነዚኦም ድማ መሬት ከመሓድሩ ተባሂሎም በቢ ከባቢኡ ንዝርከቡ መሬት ዴስክ ወረዳን ጣብያን ኢሉ ‘ውን ቁሸት ብኣግባብ ዘመሓዱሩን ዘገልግሉን ዘይኮኑስ መሬት ብዘይ ሕጋዊ እናተወረረ ኣፅቂጦም ዝኸዱ፤ ዝለዓሉ ጥርዓናት ህዝቢ ቁልጡፍ ምላሽ ዝህቡ ዘይኮኑስ ብላዕ ዝፅበዩ ብምዃኖም ነቲ ዘይሃቦም ድኻ ንዕድሉ እናረገመ ክማላለስ ይገብርዎ ኣለው።
  
ኣብ ሃገርና ዝረአ ዘሎ ቕጥዑ ዝሰኣነ ምሕደራ መሬት ጥራሕ ዘይኮነስ በዚ ዝተልዓለ ስእነት ስራሕን ናይ ዜጋታትና ነፃነት፤ መንነት፤ ክብርን ዴሞክራሲያዊ መሰላቱን ‘ውን ተጋሂሱ ኣላዪ ዝሳአነ ህዝቢ ኮይኑ ከምዘሎ ካብ ማንም ዝተኸወለ ኣይኮነን።
ነዚ እናፈለጡ ናብ ገደል እናመርሕዎ ዝፀንሑ መራሕቲ ኢህወደግ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ማሕበራዊ ነውፅን ዘይምርግጋዕን ኣብዚ ቅንያት ቀዳማይ ሚኒስተር እቲ ስርዓት ዝመርሖ ናይ ፖሊሲ ፅንዓትን ምርምርን ማእኸል ብዝብል ሙሱሉይ ዘተ ኣብ ዘካይድሉ እዋን ነቶም ብሰንኮም ዝተፈጠሩ ሽግራት ህዝቢ እናጠቐሱ ሃተውተው ክብሉ ተራእዮም።
ይኹን እምበር መራሕቲ ኢህወደግ ነዞም መሰረታዊ ናይ መሬት ምሕደራን ሕቶታትን ብዝሰኸነ መንፈስ አዳሚፆም ብቕንዕና ንምምላስ ዘኽእሎም ናይ ሞራልን ብቅዓትን ምህላውን ዘይምህላውን ጥራይ ከይኮነስ ፓለቲካዊ ተፈጥርኦም ‘ውን አየፍቅደሎምን።
ምኽንያቱ ናይቲ ሽግር ዋናታቱ ንሳቶም ብዝኽተልዎ ዘይቅኑዕ ፖሊስን ምሕደራ መሬትን ብምዃኖም አንፃር መሰረታዊ ጥቕሞም ዝኸይድ ናይ መፈትሒ ኣካል ክኾኑ አይኽእሉን ስለዚ ሽግር ምሕደራ መሬት ብምፅዋዕ ተጠቃምነት ህዝቢ ፉፁም ኣይረጋገፅን።