Wednesday, December 16, 2015

ኣብ ከተማ ጎንደር ዝርከብ ቤት ህንፀት ብ21 ሕዳር 2008 ዓ.ም ተቓፂሉ ኣብ ዉሽጢ ዝነበሩ እሱራት ገሊኦም እንትሞቱ ገሊኦም ድማ ከም ዝቖሰሉ ምንጭታትና ገሊፆም።



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ከተማ ጎንደር ዝርከብ ቤት ህንፀት መበገሲኡ ዘይተነፀረ ባርዕ ሓዊ ኣጋጢሙ ኣብ ዉሽጡ ዝነበሩ እሱራት ከይወፁ ሓለዋ ዝነበሩ ፖላዊስ ስለ ዝኸልከልዎም ከቢድ ጉድኣት ከም ዝበፀሐ ድሕሪ ምግላፅ ከም ሰዓቤኑ ከዓ ልዕሊ 17 እሱራት ሽዑ እንትሞቱ ከባቢ 7 ሚኢቲ ድማ ዝቖሰሉ ከም ዘለዉ ነዚ ኣስካሕካሒ ኩነታት ዝተዓዘበ ነባሪ ህዝቢ ክረድእ ኣብ ዝኸደሉ እቶም ፖላዊስ ጥይት ብምትኳስ ከይፅጋዕ ስለ ዝኸልከልዎ ቁፅሪ ተጎዳእቲ ክዉስኽ ከም ዝኸኣለ ተፈሊጡ።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዘረድኦ ካብ'ቶም በቲ ባርዕ ሓዊ ዝሞቱ እሱራት ሓደ ኣዲሱ ዝተብሃለ ወዲ ማይ ፀብሪ ናይ ዕድመ ልክዕ ፍሩድ ዝርከቦም ኮይኑ ካልኦት ብርክት ዝበሉ እሱራት ድማ ነብሶም ንምድሓን ኣብ ዝፈተንሉ ፖላዊስ ጥይት ተኲሶም ዝቐተልዎም ከም ዘለዉ ድሕሪ ምግላፅ እቲ ከይረድእ ብምኽልካሉ ተኸቲሉ ኣብ ልዕሊ እሱራት ዝበፀሐ ጉድኣት ዘቖጠዖ ነባሪ ህዝቢ ድማ ፖላዊስ ኮነ ኢልኩም ሓዊ ኣጒድኩምሉ ይብሎም ከም ዘሎ ተገሊፁ።