ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና። ኣብ ዞባ ምዕራብ
ትግራይ ብልኡዃት ድምፂ ወያነ ትግራይ ዝተመርሐ ፅሬት ዝብል ገምጋማዊ ኣኼባ ህዝቢ ካብ ዘቕረቦም ዓብይቲ ሕቶታት ሙስና ዝልምከት
ከም ዝኾነ ድሕሪ ምግላፅ ብምዃኑ ድማ ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ሽሞኛታት ገዛኢ ስርዓት ስልጣኖም ተጠቕሞም ብዘቐበልዎ ጉቦ ምስ ኣታዊኦም
ዘይመጣጠን ገንዘብ ብምኽዕባት ዝተፈላለዩ ትካላት ሰሪሖም ይነብሩ ኣለዉ ክብል ህዝቢ ከም ዝገምገመ ተፈሊጡ።
ካብቶም ከምዚ ዝበለ ግዕዙይ ተግባር ይፍፅሙ
ኣለዉ ዝተበሃሉ ሽሞኛታት ገዛኢ ስርዓት ረዳት ኢንስፔክተር ክሊንተን ደሞዝ 2,400 ብር ወርሓዊ ደሞዙ እናሃለወ 6 ሚኢቲ ሽሕ
ብር ዝግመት ገዛ ሰሪሑ ከም ዘሎ፤ ዋና ሳጅን ዓንዶም ዝተብሃለ ብኣማኢት ሽሕ ዝግመት ገዛታት ኣብ ከተማ ዓዲ ረመፅን ከተማ ሑመራን
ኣስሪሑ፤ ኣንጋዉ ዝተብሃለ ናይ'ቲ ዞባ ሓላፊ መጓዓዓዝያ ልዕሊ 5 ሚኢቲ ሽሕ ብር ዝግመት ትካል ኣብ ከተማ ሑመራ ወናኒ ኮይኑ
ብሓፈሻ ኣብ ዞባ ምዕራብ እቲ ዝኸፈአ ብልሽዉና ከም ዘሎን ህዝቢ ይፈታሓልና ክብል ብምረት ምግምጋሙን ተገሊፁ።