Wednesday, December 16, 2015

ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ወተሃደራት ኣብ ልዕሊ ስቪል ሕብረተሰብ ይፍፅምዎ ብዘለዉ ኣፀያፊ ተግባራት ህዝቢ ካብ ከባቢኡ ርሒቖም ክሰፍሩ ሕቶ ከም ዘቕረበ ተገሊፁ።



ብመሰረት እቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታት ሰፊሮም ዝርከቡ ወተሃደራት ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ብሰነ ምግባር ዝተሃነፁ ብዘይ ምዃኖም ኣብ ልዕሊ ስቪል ሕብረተሰብ ብርክት ዝበሉ ገበናት እናፈፀሙ ከም ዝርከቡ ድሕሪ ምግላፅ ካብዚ ብምብጋስ ድማ ህዝቢ እዞም ወተሃደራት ሰላም ዘኽብሩ ዘይኮኑ ንባዕሎም ሓላዊ ዘድልዮም ዓመፅትን ሰረቐትን ስለ ዝኾኑ ህዝቢ ካብ ዝነበረሉ ከባቢ ርሕቖም ክሰፍሩ ኣለዎም ዝብል ተደጋጋሚ ሕቶታት ይቐርብ ምህላዉ ተገሊፁ።
ካብዚ ብምብጋስ 'ዉን ኣብ ከባቢ ከተማ ዉቕሮ ክልተ ዉላዕሎ ሰፊሮም ዝነበሩ ናይ መበል 21 ክፍለ ሰራዊት ወተሃደራት ነባሪ ህዝቢ ስለ ዝፀለኦም ካብ'ቲ ቦታ ለቒቖም ኣብ ከባቢ ዴስኣ ዝተብሃለ በረኻ ክሰፍሩ ተገይሩ ምህላዉ ተፈሊጡ።