Sunday, December 6, 2015

ሓድነት ብሄር ብሄረሰባት ብጎይላን ጭፈራን ኣይረጋገፅን!!



ከም ዝፍለጥ ሃገርና ኢትዮጵያ ልዕሊ 82 ብሄርን ብሀረሰባትን ዝሓቖፈትን  መበቆል ዘርኢ ወድሰብ ከም ዝኾነትን። ተማራመርቲ ታሪኽ ዘረጋገፅዎ ሓቂ እዩ።
 
በቢግዚኡ ኣብ ስልጣን ዝወፁ መራሕቲ ሃገርና ብሄር ብሄረሰባት መሰሎም ተጋሂሱ። ኣብ ቅድሚ ሕጊ ብማዕረ ዘይረአይሉ ብቛንቆኦም ፍትሒ ይኹን ትምህርቲ ከም ዘይምልከቶም እናተርአዩ። እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ዓብላላይ እናኾነ። ፅልእን ቅርሕንትን እናፈጠሩ ህዝብታት ሃገርና ከይሓብሩ ዝተፈላለየ ስምዒትን ኣፈላላይን ንኽሕዙ ምኽንያት ኮይኑዎም እዩ።

ነዞም ዝተፈላለየ ተዛረብቲ ቋንቋን ነናይ ባዕሎም ክብርን ዘሕብን ታሪኽን መንነትን ዘለዎም ህዝብታት ሃገርና። ናብ ሓደ ሙውቕ ሃገራዊ ስምዒት ንምምፃእ ቅድሚ ኩሉ ብሄር ብሄረ ሰባት ሃገርና ብቐጠታ ይኹን ኣሚኖም ብዝወከልዎ ሰብ ውሳነኦም ዝዓረፈሉ። ኣሜን ኢሎም ዝተቐበልዎ ቀዋምን ዘላቕን ሕገ መንግስቲ ኣይረኸቡን ጥራሕ ዘይኮነ። ብናይ ውሑዳት ውሳነን እምነትን ዘፅደቕዎ ኣብዛሓ ምስ ቀፃልነት ህላወ እቲ ገዛኢ ስርዓት ብዝጥዕሞ እናተተርጎመ ዴሞክራሲ ከይሰፍን ብቐዳምነት እናጠሓሱ፤ ፍትሕን ማዕርነትን ብሄር ብሄረሰባት ሃገርና ከይረኸቡ ካብ ዝነበሮ እናገደደ ክኸይድ ኪኢሉ እዩ።
  
እቲ ሐዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ከዓ ካብ'ቶም ዝሓለፉ ክልተ ተኸታተልቲ ስርዓታት ንምስሉይነት ተግባሩ መሸፈኒ ብ29 ሕዳር 1987 ዓ/ም ብኣፈፀምቲ ኣካላት እቲ ስርዓት ዝፀደቐ ሽማዊ ሕገ መንግስቲ ንብሄር ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ሃገርና ውሕስነት ዘለዎ ዴሞክራሲ ዘላቕነት ዘለዎ ሰላምን ዘረጋግፅ ኣብ ክንዲ ዝኾን ነቲ ዉሽጣዊ ቅሕርንቲ ብዝበኣሰ መልክዑ ቀፂሉ እዩ።

   በዚ መሰረት ድማ ሎሚ ኣብ ሃገርና ዝርከቡ ብሄር ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ንኸይሓብሩ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ብዝኽተሎ ኣዕናዊ  ምሕደራ ኣብ ሞንጎ ብሄራት ቀፃሊ ግጭት ከልዓሉን ክልላዊ ስምዒት ሒዞም ዝተፈላለዩ ሕቶን ይግበአንን ኣልዒሎም ሰማዒ ስኢኖም ቀፃሊ ብተቓዉሞ እናገለፁ ይርከቡ።

 መራሕቲ ኢህወደግ ብህዝቢ ዝለዓሉ ዘለው ናይ መንነት ይኹን ካልኦት ሕገ መንግስታዊ መሰሎም ክማላእ ንዝሓቱ ብሄር ብሄረሰባት ሃገርና ክምልስ ኣብ ዝፍትነሉ ንዝገደደ ቅርሕንቲ ክሕዙ ገይርዎ እዩ፣ ናይ’ዚ ኣብነት ንምጥቃስ ዝኣክል ኣብ ኣምሓራ ውስጢ ዝርከቡ ብሄረ ሰብ ቅማንት ዘልዕልዎ ዘለዉ ግዜ ዘይህብ ናይ መንነት ሕቶ ሓደገኛ ኣካይዳ ናይ’ቲ ስርዓት ዝፈጠሮ ሽግር እዩ፣ እዚ ከዓ ኮነ ተባሂሉ ዝተምሃዘ ስልታዊ መስርሕ ናይ’ቲ ጉጅለ ስለ ዝኾነ መሰረታዊ ለዉጢ ክመፅእ እዩ ኢልካ ምፅባይ ካብ ዋህነት ዝሰገረ ዘምፅኦ ጭቡጥ ፍታሕ ኣይህሉን፣
 ኣብ ስልጣን ዘሎ ገዛኢ ጉጅለ ነቲ ብሃገር ደረጃ ዝለዓል ዘሎ ተደጋጋሚ ኣብ ሕገ መንግስቲ ዝተሞርኮሰ ናይ መንነትን መሰላትን ሕቶታት ንምጥምዛዝ ዝመሃዝዎ ሜላ እንተሎ። እቲ ከም መሸቀጢ ዕድመ ስልጣኖም ዝጠምሉ ሕገ መንግስቲ ካብ ዝፀድቐሉ ድሕሪ 10 ዓመታት መዓልቲ ብሄር ብሄረ ሰባት እናበሉ ብሹም ህዝቢ በዓል ብምጥማቕ ካብ ህዝቢ ተመንጪቱ ብዝዋፃእ ገንዘብ  ዘይተኣደነ ወፃኢታት እናፈሰሶ ነቲ ኣብ ህዝቢ ዘሎ ወድዓዊ ሓቂ እናደፈኑ ብሚድያታት ኣቀናቢሮም ምሕላፍ ካብ ዝጅምሩ  ብተኸታታሊ ኣስታት 9 ዓመታት ክዝምሩን ክጭፈሩን ፀኒሖም እዮም።

  ገዛኢ ስርዓት ኢህወደግ ብሄር ብሄረ ሰባት ሃገርና ሰላም ረኺቦም። ዴሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ተረጋጊፅሎም ብስኒትን  ሓድነትን ኣብ ሃገሮም ንኽነብሩ ዝገበርኩ እየ ካብ ዝብል ርብዒ ዘበን ኣቑፂሩ እኳ እንተሎ፥

ህዝብና ግን እቲ ገዛኢ ስርዓት ብዝኽተሎ ጎዛዛይ ኣካይዳ ነኒ ባዕሉ ስኒት ስኢኑ ብዓሌት ተተፋኒኑ፤ ኣብ ሞንጎ መዋሰኒ ክልላትን ናይ ከፍቲ መግሃጫ ቦታን በቢ ግዚኡ ዝፍጠሩ ግጭታት መዕለቢ ዘይምግባር። ናይ መንነት ሕቶ እናተልዓለ ምኽንያታዉን ኣዕጋብን ዝኾነ መልሲ ዘይምሃብ። ኣብ ሞንጎ ሃይማኖት ጣልቃ እናኣተወ ምሕምዛቝ። ማለት ሕገ መንግስታዊ መሰልና ይከበር ኢሎም ንዝሓተቱ ኣኽረርትን ናይ ጅሃድ ኲናት ንምክያድ ዝተዳለው ብዝብል ጠቐነ  ምእሳርን ካብ’ዚ ብዝዘለለ ጨዊኻ ምጥፋእ እቲ ዝዓበየ መኣዝን መጨፍለቒ ብሄራት ሃገርና እዩ፣
ብተመሳሳሊ ኣብ ዶባት ጎረባብቲ ሃገራት ኬንያ፤ ሱዳን ዝርከብ ዜጋታትና ሰናይ ጉርብትናን ምሕዝነትን ፈጢሩ ሰላም ዝዓሰሎ ናብራ ከይህልዎ ባዕሎም ብዝፈጥርዎ መሬት ምኽንያት ዝገበረ ጎንፂ በቢግዚኡ ክልዓል እናገበሩ ዘላቒ ፍታሕ ክረብ ኣይገብሩን፣ 

 ስለ’ዚ መዓልቲ ብሄር ብሄረ ሰባት ብዝብል ኣብ ዘዳለዉዎ በዓል ውሕዳት ንሸፈነ ሚድያ ከካብ  ክልላቱ ዝርከቡ ብሄረሰባት ሓደ ሓደ ሰብ ተውፃእፂኦም ስለ ዝቐረቡ፤ ካድረታትን መራሕትን ኢህወደግ ስለ ዝመደሩን ስለ ዝጎይሉን ንሓድነት ብሄራት ሃገርና ዝገልፆ ዘይኮነስ እቲ ሓቂ ብኣንፃሩ እዩ፣

ምኽንያቱ ንፁሃት ወገናት ዝፍፅሙ በደል ዘይብሎም ብፌደራል ፖሊስ፤ መደበኛ ፖሊስን ወተሃደራትን ኮታስ መሓውር ፀፅታ እቲ ስርዓት እናተሃደኑ ብጅምላ እናተሓፈሱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብዘይ ፍርዲ ተዳጒኖም ይሳቐዩ ኣብ ዘለውሉ፥ ዜጋ ምስ ጎረቤቱ ሰላም ረኺቡ ከይነብር ብሽርሒ ካድረታት ተኸፋፊሉ እቲ ስርዓት ህዝብዊ ርክባቱ ተበታቲኹ ብኣረኣእያን እምነትን ተፈላልዩ ብዓይኒ ጥርጣረ እናተርአየ ክኸይድ ኣብ ዝተገበረሉ፥ ንፉዓት ፖለቲከኛታት ኣብ ትሕቲ መፃወድያ ኢህወዴግ ኣትዮም፥ ወገናትና ብሰንኪ ስእነት ስራሕን ብልሹው ምሕደራን ኣማሪሮም ናብ ዓዲ ጓና ስደት ከይዶም ኣብ ፈቐድኡ በረኻ ሳህራን ባሕርን ኢሉ'ውን ብሓውን ብካራን ሂወቶም ኣብ ዝቕዘፈሉ እዋን። ብፀረ ህዝቢ ኢህወዴግ መዓልቲ ብሄር ብሄረ ሰባት እናተብሃለ ብዳንኬራ እንትብዓል ህዝብታትና ዝሕጎስሉ ዘይኮነ እቲ ዕለት ንባዕሉ 'መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባት' ተባሂሉ ምስያሙ ኣዚዩ እዩ ዘሕዝኖም፣

  ሕዚ 'ዉን መቐፀልታ ናይ'ቶም ዝሓለፉ ምስሉያት በዓላት “ናይ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ተሳትፎ ንዝለዓለ ዕብየትን ትራንስፎርሞሽንን” ብዝብል መሪሕ ቃል በቲ ስርዓት ተሰይሙ ኣብ ክልል ጋምቤላ  ክኽበር ከሎ። ንዝሓለፉ ተኸታተልቲ ዓመታት ህዝብና ሓድነቱ ተዘሪጉ ንዝገደደ ተደራራቢ ሽግር ተሳጢሑ ኣብ ዘለሉ፣ ኣብ ክንዲ ነዞም ኣብ ዉሽጢ ሓድነት ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ተወሊዖም ዘለዉ ግዜ ዘይህቡ ነዉፂታት ብዉሕሉል መንገዲ ምፍታሕ ብጎይላን ጭፈራን ክትገልፆ ምፍታን ዘይዛሪ ሻኼላ ደም ካብ ምትካል ሓሊፉ ፉፁም ሓድነት ብሄራት ሃገርና ኣየዉሕስን፣