Wednesday, December 16, 2015

ኣብ ዉሽጢ ምክልኻል ሰራዊት ስርዓት ኢህወዴግ ይካየድ ዘሎ ምስ ሸዉዓተ ዓመት ኣገልግሎት ምዉዳእ ተኣሳሲሩ ምስንባት ወተሃደራት ኣገባብ ስለ ዘይብሉ ተቓዉሞታት የኸትል ምህላዉ ተገሊፁ።



ኣብ ምክልኻል ሰራዊት ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ተቖፂሩ ንልዕሊ ሸዉዓተ ዓመት ዘገልገለ ወተሃደር ብሕትኡ መሰረት ክሰናበት ከም ዝኽእል ወተሃደራዊ ሕገ ደንቢ ናይ'ቲ ስርዓት ከም ዘፍቅድ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ እንተኾነ ግን ልዕሊ ሸዉዓተ ዓመት ኣገልጊሎም ክሰናበቱ ሕቶ ዘቕረቡ ወተሃደራት ብኣግባቡ ስለ ዘይተመለሰ መዓልታዊ ተወዲቦም እናጠፍኡ መሳርዕ ጥርሐን ምትራፈን ዘተሓሳሰቦም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ነዚ ኣፍንፈቱ ንምቕያር ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ሓይሊ 15 ኣገልግሎት ዝወድኡ ወተሃደራት ክፋነዉ ኣብ ዝጀመርሉ ብኮታ ክኾን ኣይግባእን ብዝብል ኣብ ዉሽጢ እቲ ሰራዊት ተቓዉሞ ኣኸቲሉ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዘረድኦ እቲ ሰራዊት ካብ ዘስምዖ ዘሎ ተቓዉሞ እቶም ብኮታ ሕጋዊ ስንብታ ይወሃቡ ኣለዉ ዝብሃሉ ዘለዉ ወተሃደራት ኣገልግሎቶም ስለ ዝወድኡ ዘይኮኑ ኣብ ዉትድርና ዘቐፅል ጥዕና ስለ ዘይብሎምን ኣካላዊ ፀገም ስለ ዘለዎምን ድኣ እምበር እቲ ሕቶ ዘቕረበ ኣይኮነን ዝሳናበት ዘሎ ብምባል ነቲ ተቓዉሞ ኣጋዲድዎ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።