Sunday, January 31, 2016

ነፃነት ፕረስ ኣብ ዘይብሉ ቤት ምኽሪ ስለ ምንታይ!!



      ነፃነት ፕረስ ኣብ ዘረጋግፃን ዝቕበላን ሃገራት ዓለም ናይ መራኸብቲ ሓፋሽ ወግዓዊ ቤት ምኽር ኣቚመን፣ ምስ ነፃነት ፕረስ ተኣሳሲሩ ናይ ዜጋታት ዴሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት እንትጠሓስ ቅሬታታት ብምእካብ ነቲ ጉዳይ ብሕጊ ተራእዩ ሕጋዊ ዕልባት ረኺቡ ኣብ ምርግጋፅ ሰላም፤ ዴሞክራሲ ኣብ ምዕንባብ፤ ሰናይ ምምሕዳር ኣብ ምስፋን ህዝቢ እኹል ሓበሬታ ንምርካብ ሚድያ እዋናውን ትኽክለኛን ዘይተዛበዐን ፍፃመታት ናብ ህዝቢ ኣብ ምብፃሕ ዘይትካእ ግደ ከም ዝፃወት ንኹሉ ግልፂ እዩ።
     ህዝቢ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ንዝፍፀሙ ዕለታዊ ፍፃመታት ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ካብ ህዝባዊ ረብሓን ሓላፍነትን ርሒቖም ኣብ ውልቃዊ ጣጣን ረብሓን ዝጠሓሉ ካብ ታሕተዎት ክሳብ ላዕለወት መራሕቲ  እንትርከቡ ብዘይ ምሽፍፋን ክቃልዕሉ የግብር። ንሓደ ዴሞክራስያዊ ስርዓት ጠቐምቲ ዝኾኑ ሓበሬታን ሓሳባትን ኣመለኻኽታን ብነፃ ክንሸራሸሩ ብዝኽእልሉ መንገዲ ንምርግጋፅ፣ ፕረስ ከም ትካል ዝኾነ ዓይነት ገደብን ፀቕጥን ከይተገበረሉ ነፃነቱ ሓልዩ ዝተፈላለዩ ሓሳባትን ርኢቶታትን ተቐቢሉ ናይ ምትእንጋድ ባህሪ እኳ እንተለዎ፤
     ኣብ ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ፉፁም ምልካዊ ጉጅለ ስልጣን ብሓይሊ ሒዙ ዴሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ህዝቢ ረጊፁ ኣብ ዝመርሓሉ ዘሎ እዋን፣ ነፃነት ፕረስ ኣረጋጊፁ ሓቀኛ ዕለታዊ ፍፃመታት ሃገር ናብ ህዝቢ ከባፅሕ እዩ ኢልካ ትፅቢት ምግባር ግን ውፅኢቱ ባዶ ካብ ምዃን ሓሊፉ ፋይዳ የቡሉን። በዚ መሰረት እቲ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ውልቀ መላኺ ስርዓት ኢህወደግ ክረአ ከሎ ናይ ምስልዩነት ሕግታት ኣብ ምውፃእ ዘይቕደም እኳ እንተኾነ፣ ነቲ ዝወፀን ዝፀደቐን ሕጊ ተግባራዊ ኣብ ምግባር ግን ባዕሉ እቲ ገዛኢ ጉጅለ ብቐዳምነት እናጠሓሰ ማዕረ እቲ ዘቑፀሮ ዕድመ ፀኒሑ ኣሎ።
     ኣብዚ ቀረባ እዋን ጠቕላይ ሚኒስተር እቲ ገዛኢ ስርዓት መንግስታዊ ዝኾና ትካላት ንሚድያ ኣድላዪ ዝኾነ ሓበሬታ ንክህባ ስምምዕነት ከም ዝተገበረ፥ መራኸብቲ ሓፋሽ ድማ ብግደአን ዝግባእ ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ኣብ እዋኑ ንምብፃሕ ካብ ኣካላት መንግስቲ ሓበሬታ ንምርካብ እፋፈት መንግስቲ ርሑው እዩ ኢሉ ነይሩ።
     እንተኾነ ግን በቲ ዝብልዎ ደረጃ ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ከባፅሕስ ይትረፍ ነቲ ንሶም ኣሚኖም ብዝሃቡዎ ፍቓድ ተኸቲሉ ሓበሬታ ዘመሓላለፈ፤ ዝፀሓፈን ዝነቐፈን ፖሎቲከኛን ጋዜጠኛን ሞያዊ ሓላፍነቱ ብምውፅኡ ብገበን እናተሓተተን ካብ ስርሑ እናተባረረን ኣብ ዘለሉ፣ ካብዚ ሓሊፉ ድማ ብሹም ጉልባብ ተሓባባርን ደጋፍን ፈጠርቲ ራዕዲ ብዝብል ኣብ ትሕቲ መቑሕ ናይ'ቲ ስርዓት ብዘይ ወዓሎ ገበን ንዓመታት እስራት ብምፍራድ፣
    ዙርያ መለሽ ነፃነት ፕረስ ኣብ ኢትዮጵያ ሃገርና ባይታ ዘቢጡ ኣብ ዘለሉ እዩ እምበኣር፣ በቲ ሓደ ናይ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢንዳስትሪ ምምስራት እታ ሃገር ብእትደልዮ ጉዕዞ ዕብየትን ምዕባለን ንምቕፃል ተበታቲኑ ዝፀነሐ ትካላት መራኸብቲ ሓፋሽ ብሓደ ዓይነት መተሓዳደሪ ደንቢ ዘለዎ ቤት ምኽር ተመስሪቱ እንትብሉ፣ በቲ ካልእ ሓቀኛ ገፁ እንትረአ ድማ ኩሎም ኣካላት ሚድያን ትካላትን ዘይተስማዕምዕሉ ብውሕዳት ናይ'ቲ ስርዓት የማናይ ኢድ ከም ዝወሰንዎ ዝፍለጥ ጉዳይ እዩ።
    ንምዃኑ ነፃነት ፕረስ ብጉልባብ ኣዋጅ ፀረ ራዕዲ ተሓፂሩ ኣብ ዝርከበሉ እዋን ንፁሃት ፀሓፍቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣብ ዘለውሉ፣ ዜጋታት ኣማራፂ ሚድያ ከይረኽቡ ኣብ ዝተዓፈንሉ፣ ሓደ ጋዜጠኛ ሙያዊ ስርሑ ብነፃነት ኣብ ዘይሰርሐሉ ሐዚ ቤት ምኽር ምምስራቱ ስለ ምንታይ ኣድልዩ ኩሉ ክሓቶም ይግባእ።  

No comments:

Post a Comment