ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ኣብ ምዕራብ ኣርሲ
ሻሽመኔ ኣከባቢ ኣብ እተርከብ ኣባሮ ተባሂላ እትፅዋዕ መንደር 4ተ ሰልፈኛታት ብክፍለ ሰራዊት ኣግአዚ ከም ዝቐተሉ፤
ኣብ ኮፋሌ ዝተብሃለት ቦታን ከባቢኣን ድማ 12ተ ሰባት እንቕተሉ ካብ 20 ንላዕሊ ዝኮኑ ሰባት ድማ ብጥይት ተወቕዖም
ብከቢድ ከም ዝቖሰሉ ንነበርቲ መሰረት ዝገበሩ ፀብፃባት የረድኡ።
ብፍላይ ብ11 ለካቲት 2008 ዓም ኣብ ሻሽመኔ፤ ኣብ ነቀምቲ፤ ኣብ ኣምቦ፤
ኣብ ጉደርን ከባብኡን ብርክት ዝበሉ ሰባት ሰላማዊ ሰልፊ ብምውፅኦም ጥራሕ ብዕጡቛት ገዛኢ ስርዓት ህይወቶም እንትስእኑ፣ ካብ'ዚ
ብምብጋስ ድማ ነባሪ ህዝቢ ካብቲ ዝነበሮ ገንፊሉ ናብ ጎደና ብምውፃእ ዝጀምሮ ናዕቢ ኣጠናኺሉ ኣብ ምቕፃል ዝርከብ ኮይኑ፣ ብፍላይ
ሰራዊት ኣግአዚ ኣብ ኦሮሚያ ከተማ ነቀምቲ ንዝርከቡ ኣባላት ፖሊስ እንተይ ገደፉ ብጥይት ከም ዘቑሰልዎም ይግለፅ።
No comments:
Post a Comment