Saturday, February 27, 2016

ኣብ ሻሽመኔ፤ ነቀምቲ፤ ኣምቦን ጉደር ብ11 ለካቲት 2008 ዓ.ም ኣብ ዝተላዓለ ህዝባዊ ተቓውሞ 16 ሰባት ተቐቲሎም።



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ኣብ ምዕራብ ኣርሲ ሻሽመኔ ኣከባቢ ኣብ እተርከብ ኣባሮ ተባሂላ እትፅዋዕ መንደር 4 ሰልፈኛታት ብክፍለ ሰራዊት ኣግአዚ ከም ዝቐተሉ፤ ኣብ ኮፋሌ ዝተብሃለት ቦታን ከባቢኣን ድማ 12ሰባት እንቕተሉ ካብ 20 ንላዕሊ ዝኮኑ ሰባት ድማ ብጥይት ተወቕዖም ብከቢድ ከም ዝቖሰሉ ንነበርቲ መሰረት ዝገበሩ ፀብፃባት የረድኡ።
 ብፍላይ ብ11 ለካቲት 2008 ዓም ኣብ ሻሽመኔ፤ ኣብ ነቀምቲ፤ ኣብ ኣምቦ፤ ኣብ ጉደርን ከባብኡን ብርክት ዝበሉ ሰባት ሰላማዊ ሰልፊ ብምውፅኦም ጥራሕ ብዕጡቛት ገዛኢ ስርዓት ህይወቶም እንትስእኑ፣ ካብ'ዚ ብምብጋስ ድማ ነባሪ ህዝቢ ካብቲ ዝነበሮ ገንፊሉ ናብ ጎደና ብምውፃእ ዝጀምሮ ናዕቢ ኣጠናኺሉ ኣብ ምቕፃል ዝርከብ ኮይኑ፣ ብፍላይ ሰራዊት ኣግአዚ ኣብ ኦሮሚያ ከተማ ነቀምቲ ንዝርከቡ ኣባላት ፖሊስ እንተይ ገደፉ ብጥይት ከም ዘቑሰልዎም ይግለፅ።

No comments:

Post a Comment