ኢሰመጉ ዝተብሃለ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰል
ዘውፅኦ ፀብፃብ ከም ዘመልክቶ፣ "ካብ 7 ሽሕ ንላዕሊ ንፁሃት
ሰባት ብፀረ ህዝቢ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ተቐቲሎም"፣ እዙይ ኣብ ዓለምና ፀረ ሰብኣዊ ፍጡር ተባሂሎም ብከቢድ ገበን ዘሕትት
እኳ እንተኾነ፣ ይኹን እምበር መሪሕነት ጉጅለ ኢህወዴግ ብእከይ ተግባሮም ንኸይሕተቱ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት
ንምድናይ ካብ ዘይፈረማ ሒደት ሃገራት ውሽጢ ሓንቲ ክትከውን ገይረሟ እዮም ክብል ትካል ኢሰመጉ ኣብ ዘውፀኦ ፀብፃብ ኣፍሊጡ።
ብተወሳኺ ያሬድ ሃይለማርያም ዝተብሃሉ ምሁር
ዓለም ለኸ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰል ሰበ ስልጣን ኢህወዴግ ሰባት እንትቐትሉ ንክልተ ሰሙን ኣብ በሪ ኢፋፈት ኢምባስታት ወፂእኻ ንሓደ
ዓመት ትድቅስ እንተኾይንካ ለውጢ ኣይመፅእን፣ እቲ ስርዓት 'ውን ከም ቁም ነገር ኣይቖፅሮን፣ ስለ'ዚ ኢህወዴግ እቲ ካልእ ገዲፍካ
ኣብዚ ሽድሽተ ወርሒ ዘይመልእ እዋን ጥራሕ እኳ እንተወሲድና ኣብ ኦሮሚያ 200 ሰባት ብግፍዒ ቀቲሉ ኣብ ጋምቤላ እውን ተመሳሳሊ፣
ስለዚ መንግስቲ በዚ ዝፈፀሞ ገበን ኣብ ዓለም ለኸ ቤት ፍርዲ ዘይሕተት ተኾይኑ፣ ህዝቢ ዘየላቡ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት
ብምውሳድ ለውጢ ከምፅእ ዝግብኦ እዋኑ ሕዚ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።
No comments:
Post a Comment