Wednesday, February 10, 2016

ኣብ ዝቕፅል 120 መዓልቲታት ሓገዝ ዓለም ለኸ እንተዘይ በፂሕሎም 10.2 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ዜጋታት ንሓደጋ ከም ዝቃልዑ ትካል ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።



ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ብ22 ጥሪ 2008 ዓ.ም ኣብ ዘቕረቦ ፀብፃብ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጥሙ ብዘሎ ድርቂ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ጥሪ 2007 ዓ.ም 2.9 ሚልዮን ዝነበረ ቁፅሪ ተረዳእቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ 2008 ዓ.ም 8.2 ሚልዮን ብዘይ ሓገዝ ክዉዕሉ ክሓድሩ ዘይኽእሉ ጥሙያት ከም ዝበፀሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብዚ ወርሒ ጥሪ ድማ ልዕሊ 10.2 ሚልዮን ዜጋታት ህፁፅ ሓገዝ እንተዘይ ተዋህብዎም ዝቕመስ ስኢኖም ኣብ ሓደጋ ከም ዝወድቁ ኣፍሊጡ።
በዚ መሰረት በቲ ጥሜት ብጣዕሚ ዝተጎድኡ ህፃናት ቁፅሪ 450 ሽሕ ከም ዝበፀሐ ድሕሪ ምግላፅ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዞም ዝተጎድኡ ማሕበረሰብ ዘቕርቦ ሓገዝ እናተጓተተ ብምዃኑ ዝፈጠሮ ክፍተት ኣሻቓሊ ኮይኑ ብምህላው፣ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ኣብ መዓልቲታት እንተነዊሑ ድማ ኣብ ሰሙን ዉሽጢ ነቲ ብጥሜት ዝተጎደአ ኢትዮጵያዊ ህዝቢ ሓገዝ ከብፅሕ እንተዘይ ክኢሉ ዓብዪ ሰብኣዊ ቅልዉላው ኣብ ኢትዮጵያ ክፍጠር ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።     

No comments:

Post a Comment