Wednesday, February 10, 2016

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝነብር ህዝቢ ብግዕዚና ን117 ሰራሕተኛታት መንግስቲ ብሕጊ ይተሓተቱልና ብምባሉ ክሲ ከም ዝቐረበሎም ምንጭታትና ሓቢሮም።



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና፣ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ብግዕዙይ ኣሰራርሕኦም ምኽንያት ኣብ ልዕሊ ንህዝቢ ዘይተኣደነ ክሳራታት ከውርዱ ዝፀንሑ ልዕሊ 117 ሰራሕተኛታት መንግስቲ ነባሪ ህዝቢ ብሕጊ ይተሓተቱልና  ስለ ዝበለ ክሲ ክቐርበሎም ከም ዝተገብረ ንምፍላጥ ተኻኢሉ። 
እቲ ገዛኢ ስርዓት ን25 ዓመታት ዝኣክል ክኽተሎ ብዝፀነሐ ብልሹው ምሕዳራ ናብ ክወፆ ዘይኽእል ወጥርን ጭንቕንቕን ጥሒሉ ከም ዝርከብ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ነዚ ብምድንጋር ንምስጋር ኣብዚ  ዓመት ዝመሃዞ ሜላ መድረኻት ሰናይ ምምሕዳር ብዝብል ተደጋጋሚ ኣኼባታት ምክያድ፣ ኣብ ልዕሊ ጠንቂ ሰናይ ምምሕዳርን ክራይ ኣከብትን ዝብሎም ስጉምቲ ወሲዱ ለውጢ ከም ዘምፅእ ኣብ መድረኻት ይፍክር እኳ እንተኾነ፣ ይኹን እምበር ዝመጣጠን ግብራዊ ስጉምቲ ከይወሰደ ሸፋፊኑዎም ክሓልፍ ይሙኩር ኣብ ዘለሉ፣ እቲ ግዳይ ዝኾነ ህዝቢ ርትዓዊ መረዳእታ ብምቕራብ ተፃርዩ ኣራሚ ስጉምቲ ይወስድ እናበለ ድምፁ ኣብ ምስማዕ ከም ዝርከብ ተፈሊጡ።
እቲ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ብህዝቢ ኣብ ልዕሊ ብግዕዝይና ምኽንያት ህዝቢ ከሸግሩ ዝፀንሑ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፣ ብሕጊ ይተሓተቱልና ኢሉ ድሕሪ ምቕራቡ ክሲ ቀርብሎም ይፃረ ኣሎ እኳ እንተተባህለ ክሳብ ክንደየናይ እዩ ሓቅነቱ ንህዝቢ ከም ዘይበረሃሉ ድሕሪ ምግላፅ፣ እቶም ሰራሕተኛታት መንግስቲ  እንተኾኑ እዉን እንታይ ግበሩ ትብሉና ንዓና እቲ ግዕዝይና ብቐንዱ ኣብ ላዕለዎት እናሃለወ ንሶም ከይተሓተቱ ኣብ ታሕቲ  ንዝርከብ ፀቒጥካ ክሲታት ምቕራብ ኣይንቕበሎን ብምባል ሓያል ዕግርግር  ከም ዝፈጠሩ ምንጭታት ወሲኾም ገሊፆም።


No comments:

Post a Comment