Wednesday, February 3, 2016

ኣብ ከተማ ሃዋሳ ውሽጢ ናይ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ መዋህለሊ ረሳሕ ፈሳሲ መከላኸሊ ስለ ዘይተሰርሓሉ ሰለስተ ህፃናት ናብ ዉሽጡ ጠሊቖም ከም ዝሞቱ ተገሊፁ።



እቶም ዝሞቱ ህፃናት ደቂ 8,12,14 ዕድመ ኮይኖም እቲ ንኽሞቱ ምኽንያት ዝኾነ ካብቲ ዩኒቨርሲቲ ንዝወፅእ ርስሓት መዋህለሊ ብመንግስቲ እንትስራሕ ኣብ ውሑስ ቦታ ወይ ንዕኡ ብዘዉሕስ መከላከሊ ሓፁር ክስርሓሉ ብዘይ ምኽኣሉ፣ እዞም ህፃናት ክፃወቱ ኢሎም ካብ መንበሪ ገዝኦም ምስ ወፁ ኣብቲ ረሳሕ መዋህለሊ ጉድጓድ ኣትዮም ክሞቱ ከም ዝኣኸኣሉ ተገሊፅ።
ኣብቲ ቀብሪ ስነ ስርዓት ዝተረኸቡ  ነበርቲ ከተማ ሃዋሳ፣ ምምሕዳር እታ ከተማ ንድሕነት ዜጋታት ብፍላይ ድማ ህፃናት ኣብ ግምት ዘእተወ መጠራቐሚ ረሳሕ ፈሳሲ ብዘመናዊ ቴክኖሎጂ እናተጠቐመ ክሰርሕ ብዘይ ምኽኣሉ፣ ህፃናት ደቅናን ኣሕዋትናን ብኸምዚ ዝኣምሰለ ዘሰቅቕ ኩነታት ክሞቱ ምኽኣሎም ብህይወት ናይ'ዞም ሰለስተ ህፃናት ምጥፋእ ሓላፍነት ክወስድ ኣለዎ ክብሉ ከማርሩ ከም ዝወዓሉ እቲ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። 

No comments:

Post a Comment