Wednesday, February 3, 2016

ብሕፀረት ናይ ወፃኢ ሸርፊ ንሕርሻ ዘደሊ መዳብርያ ኣብ እዋኑ ምቕራብ ስለ ዘይተኸኣለ ኣብ ናይ መስኖ ስራሕቲ ዝተዋፈሩ ሓረስቶት ንፀገም ይቃልዑ ምህላዎም ተገሊፁ።



ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ ሕፀረት ናይ ወፃኢ ሸርፊ ብሰፊሑ ኣጋጢሙ ስለ ዘሎ፣ ካብ ወፃኢ ተዓዲጎም ዝኣትዉ ኣገድስቲ ፍርያት መግዝኢ ዝኸውን ዶላር ብመንግስቲ ክቐርብ ብዘይምኽኣሉ ኣብ ማሕበራዉን ኢኮኖሚያዉን ከቢድ ፅልዋ ኣሕድሮም ከም ዝርከቡ ድሕሪ ምግላፅ፣ ብፍላይ ኣብ ሕርሻዊ ንጥፈት ኣገዳሲ ኮይኑ ዘሎ መዳበርያ ድኹዒ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ብመሰረት ጠለብ ህዝቢ ናብ ሓረስቶት ከቕርብ ብዘይ ምኽኣሉ ኣብ ስራሕ መስኖ ዓብዪ ዕንቅፋት ፈጢሩ ከም ዝርከብ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዘረድኦ፣ ብመሰረት እቲ ዝወፀ ፀብፃብ ኣብዚ ሕዚ ንመስኖ ክውዕል ናብ ሓረስቶት ክቐርብ ዝግብኦ መጠን መዳብርያ 833,663 ሜትርክ ቶን ክኾን እናተገብኦ፣ ብሰንኪ ስእነት ናይ ወፃኢ ሸርፊ ክሳብ ሕዚ ቀሪቡ ዘሎ መዳበርያ 19,315 ሜትሪክ ቶን ጥራሕ ናብ ሃገር ዉሽጢ ዝኣተወ ኮይኑ፣ ነዚ ስእነት ናይ ወፃኢ ሸርፊ ጠንቁ ድማ ካብ ዉሽጢ ሃገር ዝለኣኽ ፍርያት ኣዝዩ ብምጉዳሉ ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ኣገንዚቡ።


No comments:

Post a Comment