Thursday, February 25, 2016

ኣብዚ ሰሙን እዚ ንግዕዙይ ጉጅለ ኢህወዴግ ብምቅዋም ብርክት ዝበሉ ወገናት ናብ ክፍሊ ታዕሊም ዴምህት ተፀቢሮም።



ኣብዚ ቀረባ እዋን ንስርዓት ኢህወዴግ ብምቅዋም ብርክት ዝበሉ ወገናት ናብ ክፍሊ ታዕሊም ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ /ዴምህት/ ዝተፀበሩ ኮይኖም፣ ካብ'ቶም ኣብ'ዚ ሰሙን እዚ ንኽጋደሉ ናብ ዴምህት ዝተፀንበሩ ዝተወሰኑ ንምጥቃስ፦
1.ተስፋይ ተወለብርሃን ዞባ ሰሜን ምዕራብ ወረዳ ከተማ ሸራሮ ጣብያ ሰድር፣
2.ፍቓዱ ደበሳይ ካብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ጣብያ ለሰ፣
3.ሓዱሽ ገብረምካኤል ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ መረብ ለኸ ጣብያ ኣብነት፣
4.ኣዲስኣለም ብርሃነ፤ ዳዊት ኣሸብር፤ ፅንዓት ፀጋይን ዘርኣይ ተስፋይን ኣርባዕቲኦም ካብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ጣብያ ባድመ፣
5.የዉሃንስ ተወለመድህን ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ ዓድዋ ጣብያ ዓዲ ኣቡን፣
6.ጀማል ብርሃኑ ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ መረብ ለኸ ጣብያ ሃፍቶም፣
7.ኣለም ኣስፍሃ ካብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ጉለ መኸዳ ጣብያ ኣዲስ ተስፋ፣
8.የማነ ተስፋይ ካብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ጣብያ ሕብረት፣
9. ሰሎሙን ነጋሽ ካብ ዞባ ምዕራብ ወረዳ ዓዲ ረመፅ ጣብያ ዓዲ ሕርዲ ዝርከብዎም ከም ዝኾኑ ካብ ክፍሊ ታዕሊም ዴምህት ዝበፀሓና ፀብፃብ ኣረዲኡ።
እዞም ወገናት ናብ ዴምህት ተፀንቢሮም ኽቃለሱ ዘገደዶም ምኽንያት እንገልፁ፣ ኣብዚ ሕዚ እዋን ስእነት ስራሕን ፍትሕን ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ በፂሑ ምብህላዉ ህዝብና ናብ ስደት የምርሕ ኣሎ ምስ በሉ፣ ንሕና ድማ ስደት መፍትሒ ክኸዉን ኣይኽእልን ኢልና ብምእማን መዓንጣኻ ኣስጢምካ ብረት ዓጢቕካ ነቲ ፀረ ፍትሕን ሰላምን ዝኾነ ስርዓት ንምእላይ ናብ ዴምህት ተፀንቢርና ኣለና ክብሉ ገሊፆም። 

No comments:

Post a Comment