Thursday, February 25, 2016

ኣብ ወረዳ መረብ ለኸ ዝርከቡ መናእሰይ ብስእነት ስራሕን ስእነት መሬትን ብዝተፈላለዩ ማሕበራዉን ቁጠባውን ፀገማት ይሳቐዩ ምህላዎም ተገሊፁ።



ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ወረዳ መረብ ለኸ  ዝነብሩ መናእሰይ ብስእነት ስርሕ፤ ስእነት መሬት ብፍላይ ከዓ ስእነት ሰናይ ምምሕዳር ብዝኸፈአ መልክዑ ዝረአየሉ ወረዳ ብምዃኑ፣ መሬት ሃቡና ኢሎም ዝሓተቱ መናእሰይ ንሕቶኦም መሰረት ብምግባር ፍታሕ ዘናዲ ኣካል ምምሕዳር ስለ ዝሰኣኑ፣ ኣብ ከባቢ ዓዲ ፍታው ሸቐጣት ከፊቶም ሂወቶም ኣብ ዝመርሕሉ ድማ ብዘይ ዝኾነ መጠንቀቕታን ድልውነትን ብምምሕዳር ጣብያ ዓዲ ፍታው  በየነ ተኽላይን ናይ ጣብያ ዓዲ ፍታው ሓላፊ ፀፅታ ዝኾነ ገብረኣበዝጊ  ተኹሉን፣
    ከምኡ 'ውን ኩማንደር ናይ ምልሻ ጣብያ ዓዲ ፍታው ዝኾነ መብራህቶም ፍሳሃ ፅዮንን ፖላዊስን ብሓባር ብምዃን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ልዕሊ 50  ብሸቐጥ ዝመሓደሩ ዝነበሩ መናእሰይ ኣብ ናይ መንግስቲ መሬት ብኢደ ዋኒንኩም መን ስርሑ ኢሉኩም ብዝብል ምኽንያት ስለ ዘፍረስዎ ንኣደዳ ዝኸፈአ ሽግር ብምቅልዖም ገሊኦም ናብ ፈቐዶ ስደት እንትጠፍኡ ውሱናት ድማ ካብቲ ናይ መንግስቲ ዝበሃል መሬት ለቒቖም ኣብ ናይ ውልቀ ገባራት መሬት ተፀጊዖም ከም ዘለው ኣብሪሆም።
   ካብ'ቶም ዝፈረሶም መናእሰይ ንምጥቃስ ዝኣክል፣ መንእሰይ ተመስገን (ወዲ ራያ)፤ ለተክሩስቶስ ፀጋይ፤ ሸዊት ግርማይን ይብራህ ግርማይን ካልኦትን ካብቶም ቡዙሓት ዝተወሰኑ ከም ዝኾኑ እንትገልፁ፣ ብሓፈሻ ድማ ንዝኸፈአ ሽግር መነባብሮ ተሳጢሖም ከም ዘለው ወሲኾም ኣፍሊጦም። 

No comments:

Post a Comment