Thursday, March 3, 2016

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣምቦ ወሊሶ ካምፓስ ሓያል ባርዕ ከም ዝተልዓለ ተፈሊጡ።



እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ፣ ኣብ ቀፅሪ ዩኒቨርሲቲ ኣምቦ ወሊሶ ካምፓስ ብ21 ለካቲት 2008 ዓ/ም ናይ ኣጋምሸት ሓያል ባርዕ ከም ዝተልዓለ ድሕሪ ምግላፅ፣ እቲ ሓደጋ ባርዕ መን ከም ዝለኮሶን መዓዝ ሰዓት ከም ዝተልዓለን ንግዚኡ ዋላ እኳ እንተዘይተፈለጠ፣ ኣብዚ ሐዚ ብዝለዓል ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢ ነቲ ስርዓት ሓደጋ እዮም ዝተብሃሉ ተምሃሮን መምህራንን ምኽንያት ፈጢርካ ብጥርጣረ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንምእታው ብትእዛዝ ላዕለወት ሓለፍትን ድህንነትን ዝተገበረ ከም ዝኾነ ጥርጣረታት ከም ዘሎ ዝተፈላለዩ ኣካላት ኣብ ምግላፅ ይርከቡ።
ኣብ መወዳእታ፣ እዚ ከምዚ ዓይነት ሓደጋታት እቲ ስርዓት ኣብ ታርጌት ከእትዎም ንዝደለየ ወገናት ባዕሉ ሽግራት ኣብ ውሽጦም ብምፍጣር፣ ብገምጋማት ኣጨናንቑ ንምእሳርን ንምጭዋን ክጥዕሞ ከም ሓደ መስርሕ እናሰራሓሉ ከም ዝመፀን፣ ብፍላይ ከዓ ኣብዚ ሐዚ ግዜ እቲ ገዛኢ ስርዓት ኣብ ክወፆ ዘይኽእል መዋጥርን ጭንቕንንቕን ኣትዩ ስለ ዘሎ ነቲ ሕቶታት ህዝቢ ኣንፍቱ ንምቕያር ኣብ ከም’ዚ ዓይነት ተግባራት ተፀሚዱ ከም ዝርከብ ይፍለጥ።

No comments:

Post a Comment