ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ነበርቲ ከተማ ዓድዋ
ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ፅርግያ ንምስፋሕ ብዝብል ምኽንያት ካብ ማይ ዓሳ ክሳብ መውፅኢ ዕዳጋ ዓርቢ ዝርከብ ቦታ ልዕሊ 400 ገዛውቲ
ብዘይ ተለዋጢ ቦታን ካሕሳን ብምፍራስ ክሳብ ሕዚ ዝኾነ ዓይነት ተለዋጢ መሬት ዓዲልካ ኣብ ምትዕርራይ ይኹን ምሃብ ካሕሳን ብዘይ
ምፍፃሙ፣ እቲ ዝተብሃለ ፅርግያ ድማ ስለ ዘይተሰርሐ ህዝቢ ንዶሮናን ካልእ ተደራራቢ ሽግርን ተቓሊዑ ከም ዝርከብ ተፈሊጡ።
ወሲኹ እቲ ሓበሬታ፣ ህዝቢ ነዚ ሽግር እዚ
ክስተኻኸለሉ ቀፃሊ ንከተማ ምምሕዳር ጥርዓን የቕርብ እኳ እንተኾነ፣ ይኹን እምበር ግቡእ ምላሽን ፍታሕ ዝህብ ኣካል ብምስኣኑ እቲ
መረረት ህዝቢ ብዝበኣሰ መልክዑ ይቕፅል ኣብ ዘለሉ እዋን፣ ነቲ ጥርዓንን መረረትን ህዝቢ ሰሚዖም ፍታሕ ከይህቡ ኣማሓደርቲ እቲ
ከባቢ ቤት ፅሕፈቶም እናዓፀው ይሕብኡን ይስወሩን ብምህላዎም፣ ብፍላይ ኪዳይ ኣፅብሃ ዝበሃል ኣመሓዳሪ ብግዕዝይና ኣብ ርእሲ ምጥልቃዩ
ኣብ ቤት ፅሕፈቱ ስለ ዘይርከብ ህዝቢ ዘተኣናግዶ ስኢኑ ስርሑ ገዲፉ ክንከላበት ይውዕል ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
No comments:
Post a Comment