Saturday, March 26, 2016

ኣብ ምዕራብ ወለጋ ወረዳ ኑኑ ቀበሌ ኣደሬ ኣብ ዝበሃል ቦታ ዋንነታ ናይ ወረዳ ምምሕዳር ዝኾነት መኪና ህዝቢ ከም ዘቃፀላ ተፈሊጡ።



ካብቲ ቦታ ዝበፀሐና ሓበሬታ ከም ዘርድኦ፣ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ወረዳ ኑኑ ቀበሌ ኣደሬ ኣብ ዝበሃል ቦታ ብዕለት 25 የካቲት 2008 ዓ/ም ኣመሓደርቲ ናይ ወረዳ ዝግልገሉላ መኪና ህዝቢ ከም ዘቃፀላ ድሕሪ ምግላፅ፣ ኣንፃር እቲ ኣረሜን ስርዓት ዘነፃፀረ ተቓውሞ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ መላእ ክልል ኦሮምያ ተጠናኺሩ ይቕፅል ኣብ ዘለሉ እቲ ስርዓት ነቲ ዝለዓል ዘሎ ሕቶ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ዘላቒ ዝኸውን መፍትሒ ዘናዲ ብሓይሊ ብረት ክጭፍልቖ ይፍትን ብምህላዉ እቲ ዝተበደለ  ህዝቢ ግን ብዝበኣሰ ክለዓዓልን ክሕርንን ይገብሮ ስለ ዘሎ ኣብ ልዕሊ ናይ ሰበ ስልጣንን ከድረታትን ንብረት ስጉምቲ ይወስድ ከም ዘሎ ተገሊፁ።
ኣብ መወዳእታ፣ ኣመሓደርቲ ዝፈፀምዎ ጥፍኣት ኣብቲ ህዝቢ ልዑል ቑጠዐ ፈጢሩ ስለ ዘሎ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ፌደራል ፖሊስን መደበኛ ፖሊስን ካብ ስራሕ ወፃኢ ብምግባር ኩነታት ፀጥታ እቲ ከባቢ እንተኾነ እውን ብሰራዊት ምክልኻል ብፅኑዕ ይሕሎ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።

No comments:

Post a Comment