ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና፣ ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ
ዝርከቡ ኣካላት ፍትሒ ስልጣኖም ተጠቒሞም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብዝተፈላላየ መልክዑ ዝግለፅ ግዕዝይና የካይዱ ከም ዘለዉ ብነባሪ
ህዝቢ ዝተኸሰሱ ብርክት ዝበሉ ኮይኖም፣ ካብኦም ንገለ ንምጥቃስ ዝኣክል፣ ናይ ዞባ ምብራቕ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፍትሒ ዝነበረ ኣይተ ሰለሙን ዝብሃል
እንትኸዉን ቅድም ክብል እዉን ካብ ስልጣኑ ከም ዝተኣገደ ገልፅና
ምንባርና ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ንሱን ኣብ'ቲ ቤት ፅሕፈት ምኽትሉ ዝነበረ ኣይተ ገብረሰላሰ ዝተብሃለን ተባሪሮም
ከም ዘለዉ ተገሊፁ።
ከምኡ'ውን ናይ'ቲ ዞባ ሓላፊ ፀጥታ ምምሕዳር ዝነበረ ካብ
ስልጣኑ ተኣጊዱ ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላፅ፣ ካብ ሓላፍነቱ መእገዲኡ ምኽንያት ድማ ግዕዝይና ኮይኑ ብዝፈፀሞ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር
ብህዝቢ ክሲ ቀሪብሉ ኣብ ምፅራይ ከም ዝርከብ ንምፍላጥ ተኻእሉ።
No comments:
Post a Comment