እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ፣ ኣብ
ሰሜን ጎንደር ከተማ ዳባት ብዝተልዓለ ህዝባዊ ተቓውሞ ናብ ከተማታት መቐለን ሽረን ዝወስዱ ፅርግያታት ከምኡ እውን ናብ ዳባት ዘእቱ
መንገድታት ኣእማንን ዕንፀይትን ኣብቲ ማእኸል ፅርግያታት ብምድርዳር ከም ዝዓገቱዎ ተፈሊጡ።
እቲ ኣብ ከተማ ዳባት ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ
ሰለማዊ ሰልፊ ካብ ዘልዕሉዎ ነጥብታት ድማ መንነት ህዝብታት መሰረት ብምግባር ዝለዓል ዘሎ ግዜ ዘይህብ ሕቶታትን ፀገማት ሰናይ
ምምሕዳርን፣ መንግስቲ ዘላቒ ፍታሕ ከምፅእ ኣለዎ ብዝብል ቀትሪ ጀሚሩ ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ከም ዝቐፀለ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።
No comments:
Post a Comment