Friday, March 25, 2016

ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ዓብዪ ዓዲ ኣብ ዝተሳለጠ ህዝባዊ ኣኼባ ኣንፃር እቶም ብግዕዚና ሰንሰን ዘብልዎ ኣመሓደርቲ ክተመሓይሹ ዝብል እምነት የብልናን ብሰለማዊ ሰልፊ ተቓውሞና ክንገልፅ ኢና ክብል ወጢሩ ከም ዝሓዞም ተገሊፁ።



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና፣ ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ማእኸል ከተማ ዓብዪ ዓዲ ካብ 25 ክሳብ 28 ለካቲት 2008 ዓ/ም ኣብ ዝተሳለጠ ህዝባዊ ኣኼባ፣ ኣንፃር እቶም ብግዕዘይና ሰንሰን ዘበልዎ ኣመሓደርቲ ክተመሓይሹ ዝብል እምነት የብልናን ንሕና እውን ከም ካልኦት ክልላት ወፅዓና ብሰለማዊ ሰልፊ ክንገልፅ ኢና ብምባል ወጢሩ ሒዙዎም ከም ዘሎ ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ዝለኣኹዎ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢኡ።
ኣብዚ  ሕዚ እዋን ብሃገር ደረጃ ሽግራት ሰናይ ምምሕዳር ንምቕራፍ ብዝብል ይካየድ ከም ዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ናይ'ዚ መቐፀልታ ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ  ጣብያን ቁሸትን ንዝግበር ዘሎ ናይ ህዝቢ ኣኼባታት፣ ህዝቢ ነቶም ኣብ ውልቀ ረብሓን ግዕዝይናን ዝጠልቀዩ ኣማሓደርቲ ብግልፂ የቃልዖም እኳ እንተሎ፣ እንተኾነ ግን እቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊኦም ኣምሃሪ ስጉምቲ ወሲዱ  ለውጥን ፍታሕን ክመፅእ ሰለ ዘይረአ፣ ህዝቢ ብዝባኣሰ መልክዑ የቑጥዖ ስለ ዘሎ ካልእ ፍታሕ ከምፅአሉ ዝኽእል ኣማራፂ መንገዲ ናብ ምውሳድ ይኣቱ ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣፍሊጡ።

No comments:

Post a Comment