Wednesday, March 16, 2016

ኣብ ክልል ህዝብታት ደቡብ ዞባ ከምባታ ዝርከቡ አባላት ተቛዋሚ ውድብ ኣንድነት ብዘይ ሕጋዊ መርትዖ ብገዛኢ እቲ ስርዓት ይእሰሩ ከም ዘለዉ ምንጭታትና ኣፍሊጦም።



ምንጭታትና ከም ዝሓበርዎ፣ ኣብ ክልል ህዝብታት ደቡብ ዞባ ከምባታ፤ ከተማ ዱራሜ ዝርከቡ ኣባላት ተቛዋሚ ውድብ ኣንድነት ዝኾኑ ሰባት፣ ዝፈፀምዎ ገበን ዘይብሎም ብዘይ ዝኾነ ሕጋዊ መርትዖ ከካብ ገዝኦም እናተሃደኑ ናብ ፖሊስ ጣቢያ ናይታ ከተማ እናተወሰዱ ይእሰሩ ምህላዎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።  
 በዚ መሰረት ድማ፣ ኣይተ ደበበ እሸቱ፤ ኣይተ ፋሲል ኩራባቸውን ኣይተ ሲራክ ካሳ ዝተብሃሉ ወገናት በዕለት 22 ለካቲት 2008 ዓ/ም ከካብ ገዝኦም በፖላዊስ ተሃዲኖም ናብ ፖሊስ ጣቢያ እታ ከተማ ዝተወሰዱ ኮይኖም፣ ይኹን እንበር ብዕለት 23 ለካቲት 2008 ዓ/ም ስድርኦም ተኣኻኺቦም ናብ ቤት ፅሕፈት እቲ ፖሊስ ጣቢያ ከይዶም ኩነታቶም ኣብ ዝሓትሉ ግዜ፣ ፀገም የለን ናይ ጉንበት 7 አባላት ኮይኖም ስለ ዝተረኹቡ ንዞባ ልኢኽናዮም ኣለና ገዛኹም ተመለሱ ከም ዝተብሃሉን ክሳብ ሐዚ ግን ናቶም ተኣሲሮም ዝተወሰዱ ሃለዋቶም ከም ዘየለን ንምፍላጥ ተኻኢሉ።  

No comments:

Post a Comment