Wednesday, March 16, 2016

ኣብ ከተማ ማይ ጨው ዝርከቡ ኣባላት ተቛዋሚ ውድብ ዓረና በካድረታት ናይቲ ስርዓት ምፍርራሕ ይበፅሖም ከም ዘሎ ተገሊፁ።



ምንጭታትና ካብ'ታ ከተማ ከም ዝሓበርዎ፣ ብሰላማዊ ቃልሲ ኣሚኖም ዝቃለሱ ዘለዉ ኣብ ዞባ ደቡብ ከተማ ማይ ጨው ዝርከቡ ኣባላት ተቃዋሚ ውድብ ዓረና ብካድረታት ናይ'ቲ ስርዓት ግፍዒ ይበፅሖም ከምዘሎ ድሕሪ ምግላፅ፣ ይኹን እምበር ንናይ'ቲ ገዛኢ ስርዓት ካድረታት ዝኽተልዎ ምፍርራሕ ሰጊኦም ድማ ቃልሶም ከም ዘየቛርፁ ብምረት ገሊፆም።
እቲ ምንጪ ወሲኹ ከም ዝሓበሮ፣ ኣብ ከተማ ማይ ጨው ዝርከቡ ኣባላት ተቛዋሚ ውድብ ዓረና ዝኾኑ ሰባት፣ በቲ ስርዓት ይበፅሖም ካበ ዘሎ ናይ ምፍርራሕ ዓይነት ንምጥቃስ፣ ንህይወትኹም ሕዞኑላ፤ ካብዚ ውድብ ውፁ፤ ንህዝብኹም ይቅርታ ሕተቱ፤ ናይ ዓረና ኣባላት ንዝኾኑ ኣብ'ታ ከተማ ዝምህሩ መምህራን ገዛ ከይተካርይዎም፤ ንኣንስቶም ፍትሐኦም ወይ ድማ ክንቀትለክን ኢና ዝብሉን ካልኦትን ከም ዝኾኑን፣ ካብ'ቶም ነዚ ናይ ምፍርራሕ ዕማም ዝሰርሑ ዘለዎ ካድረታት ናይቲ ስርዓት ድማ ሓደ ኣብታ ከተማ ወኪል ድምፂ ወያነ ዝኾነ ጋዜጠኛ ሽሞይ ረብሶ ዝተብሃለ ከም ዝኾነ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ።

No comments:

Post a Comment