Wednesday, March 16, 2016

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ዝርከባ ዝተፈላለያ ከተማታትን ከባብታትን ብኢህወዴግ ኣይንምራሕን ዝብል ተቓዉሞ ይካየድ ምህላዉ ተፈሊጡ።



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ለቀምቲ፤ ኣምቦ፤ ኣርጆን ኣርሲን ከባብኡን ዝነብር መላእ ሕብረተሰብ፣ ካብ 24 ለካቲት 2008 ዓ.ም ጀሚሩ በብመዓልቱ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ተቓውሞ፣ ገዛኢ ስርዓት ኦህዴድ ኢህወዴግ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኦሮሞ ዘብፅሖ ዘሎ በደላት ጠጠው የብል፤ ብኦህዴድ ኢህወዴግ ኣይንምራሕን፤ ሰበ ስልጣን ገዛኢ ስርዓት ካብ ስልጣንኩም ውረዱን ህዝባዊ መንግስቲ ይተኸልን ዝብሉ ጭርሖታት ብምሓዝ የካይድዎ ምህላዎም ተገሊፁ።
ወሲኹ እቲ ሓበሬታ፣ ህዝቢ ኦሮሞ ምስ ማስተር ፕላን ኣዲስ ኣበባ ተኣሳሲሩ ዝጀምሮ ተቓውሞ ልዕሊ ሰልስተ ወርሒ ኣቑፂሩ ዘሎ ኮይኑ፣ ሕዚ እውን ብዝበኣሰ መልክዑ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ እቲ ክልል ተኣሳሲሩ ነቲ ተቓውሞ ብምቕፃል ንገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ዓብዪ ወጥሪ ፈጥርሉ ስለ ዘሎ፣ ኣብ ገለ ሰበ ስልጣን እቲ ክልልን ውድብ ኦህዴድን እቲ ተቓውሞ ኣብ ምቑፃይ ኣበርኩቶ ኣይገብርኩን ዝተብሃሉ ካብ ሓላፍነት ዝወረዱ ከም ዘለዉ እቲ ሓበሬታ ኣገንዚቡ።

No comments:

Post a Comment