Monday, March 21, 2016

ኣብ ክልል ኦሮምያ ከተማ ለቀምቲ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ካብ ዝዕፆ ልዕሊ ሰሙን ከም ዘቑፀረ ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ዝለኣኹዎ ሓበሬታ ኣረዲኡ።



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና፣ ኣብ መላእ ክልል ኦሮምያ ኣብ'ዚ ሕዚ እዋን ኣንፃር እቲ ዓፋኒ ገዛኢ ስርዓት ኢህወደግ ዘነፃፀረ ተቓውሞታት ተጠናኺሩ ይቕፅል ከም ዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ናይ'ዚ መቐፀልታ ድማ ኣብ ከተማ ለቀምቲ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ብዝተልዓለ ናይ ተምሃሮ ተቓውሞ ምኽንያት እቲ ዩኒቨርሲቲ ካብ ምምሃር ምስትምሃር ጠጠው ካብ ዘብል  ልዕሊ ሰሙን ከም ዘቑፀረ ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ዝለኣኹዎ  ሓበሬታ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዘርድኦ፣ በቲ ዝተልዓለ ተቓውሞ ተምሃራይ ተኣምሩ ዝተብሃለ ኣብ'ቲ ዩኒቨርሲቲ ናይ ክልተ ዓመት ኢንፎርመሽን ቴክኖሎጂ ተምሃራይ ፖላዊስ ሒዞም ግፍዓዊ ዳብዳብን መግረፍትን ኣብ ልዕሊኡ ብምውራድ ክልቲኡ ዓይኑ ከም ዘጥፍእዎ ተፈሊጡ።


No comments:

Post a Comment