Saturday, March 19, 2016

ኣብ ከተማ መቐለ ዝረከቡ ሓለፍቲ ምምሕዳር መሬት ብሰንኪ ግዕዙይ ምሕደረኦም ነባሪ ህዝቢ እታ ከተማ የማርር ከም ዘሎ ተፈሊጡ።



ምንጭታትና ካብ'ታ ከተማ ከም ዝሓበርዎ፣ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ናይ መሬት ምምሕዳር ቤት ፅሕፈት ዝሰርሑ ሓለፍቲ፣ መሬት ብጉቦን ብግበረለይ ክገብረልካ ካብ ወፃኢ ንዝመፁ ውልቀ ሃፋትም እናሃብዎም ከም ዝርከቡ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፣ ነዚ ኣግባብነት ዘይብሉ ተግባር ድማ ህዝቢ መድረኽ ኣብ ዝረከበሉ ግዜ መረረቱ ኣብ ምስማዕ ዝርከብ እንትኾን፣ ነዚ ስዒቡ ድማ ናይ ክፍለ ከተማ ዓይደር ሓላፊ ምምሕዳር መሬት ዝነበረ ድሒሩ ድማ ናብ ቀዳማይ ወያነ ተዘዋዊሩ ዝሰርሕ ዝነበረ ኣይተ ኣለም ሰገድ ዝተብሃለ ሓላፊ ብዕለት 16 ለካቲት 2008 ዓ/ም ብናይ መሬት ግዕዝይና ብክትትል ህዝቢ ተከሲሱ ከም ዝተኣሰረን ኣብዚ ሕዚ ግዜ ኣብ ቤት ህንፀት ከተማ መቐለ ከም ዝርከብ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዝገለፆ፣ እቲ ኣብ ከተማ መቐለ ዝረአ ዘሎ ጉዳይ መሬትን ምስኡ ዝተኣሳሰረ ብልሹው ምሕደራ ኣብ ኩለን ክልላት ናይ ሃገርና እውን ዘጋጥም ዘሎ ፍታሕ ዝተሰኣኖ ተግባር ሰበ ስልጣን ገዛኢ ስርዓት ከም ዝኾነ ተገሊፁ።

No comments:

Post a Comment