ምንጭታትና ከምዝሓበርዎ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ደቡብ፤
ወረዳ ራያ አላማጣ ጣቢያ ሽኮማጆ ዝረከቡ ምልሻታት ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ብህዝቢ እቲ ከባቢ ተቐባልነት ስለ ዘይብሎም፣ በዕለት 21 ለካቲት 2008 ዓ/ም ናይ ንጎሆ ሓደ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እቲ ከባቢ በደላት
ከብፅሕ ዝፀነሐ ዕጡቕ ምልሻ ሃለቃ ብስራት ዳኘው ዝተበሃለ ዕሱብ ኣብ ከብዱ በካራ ተወጊኡ ከም ዝተረኸበ ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ
ኣፍሊጦም።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከምዝገለፆ፣ ህዝቢ ጣቢያ ሽኮማጆ
በተደጋጋሚ በቶም ምልሻታት ክበፅሖ ዝፀነሐ ከቢድ ግፍዕን ምፍርራሕን ንናይ'ቲ ወረዳ ቤት ፅሕፈት ምልሻ ጥርዓኑ እንተቅረበ እኳ፣
ሰማዒ ስለ ዝሰኣነ ነቲ ስጉምቲ ክወስድ ከም ዝተገደደ ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ኣረዲኦም።
No comments:
Post a Comment