ኣብቲ ቦታ ዝርከቡ ምንጭታትና ከም ዝሓበርዎ፣ ኣብ ከተማ
ሑመራ ዝነባርነቶም ምስቲ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ምትእስሳር ዘይብሎም ሰብ ሃፍቲ፣ ኣብ ወልቃይት ፀገዴ
ዝለዓል ዘሎ ሕቶ ምሕደራ መሰረት ዝገበረ ተቓውሞ ብገንዘብ ብምምዋልን ብምዕዓልን ተሳትፍኩም እናተባህሉ ብኣመሓደርቲ ካብ
ዝተመዝገቡ ብዙሓት ውሽጢ፣ ሽሙየ ገብሩ ንዝተብሃለ ነቲ ተቓውሞ ዝውዕል 3 ሽሕ ብር ኣዋፅእኻ ኢኻ ብዝብል ምፍርራሕ ክበፅሖ
ድሕሪ ምፅናሕ ብ25 ለካቲት 2008 ዓ.ም ኣብ ዝሰትየሉ
ሃይላንድ ማይ መርዚ ኣእትዮም ከም ዝቐተልዎ ተገሊፁ።
ብካልእ ወገን ኣብ ከተማ ሑመራ ነቲ ኣብ ወልቃይት ፀገዴ
ዝተበገሰ ተቓውሞ ዝወቅዕ ተቓውሞ ብካድረታት ገዛኢ ስርዓት ዝተመርሐ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ኮይኑ፣ ኣብቲ
ሰልፊ ብጀካ ካብ ካልእ ከባብ ዝመፁ ሰባት ተወለድቲ ወልቃይት ፀገዴ ከም ዘይተፉዎን ከም ዘይደገፍዎን እቲ ሓበሬታ ወሲኹ
የረድእ።
No comments:
Post a Comment