Wednesday, March 16, 2016

ኣብ ከተማ ኣክሱም ብክልል ደረጃ ኣመራርሓ ናይ ዝተፈላለያ ኣብያተ ፅሕፈት ምርድዳእ ዘይብሉ ኣኼባ ኣብ ምክያድ ከም ዝርከቡ ምንጭታትና ገሊፆም።



እቲ ብክልል ደረጃ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ብ26 ለካቲት 2008 ዓ.ም ዝጀምረ እንትኾን፣ ካብ ላዕለዎት ክሳብ ታሕተዎት ኣመራሓን ካድረታትን ዘሳተፈ እንትኸውን፣ ኣጃንዳ ናይ'ቲ ኣኼባ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ሰናይ ምምሕዳር ኣመልኪቱ ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ገምጋማት ብህዝቢ ተላዒሎም ዝነበሩ ሓሳባት ይትግበሩ ብዘይ ምህላዎም፣ ህዝቢ ከዓ መራሕቲ ህወሓት ኢህወዴግ ኣፍኩም እምበር ተግባር የለን ዝብል ዳግም ጥርዓን የቕርብ ስለ ዘሎ እንታይ ኮይና ቃል ዝኣተናዮ ዘይተግባርና ዝብል እኳ እንተኾነ፣ ኣብቲ ዘካይድዎ ዘለዉ ገምጋም ምርድዳእ ስለ ዘይብሎም ነፍሲ ወከፍ ዘልዓልዎ ርእሲ ንብዘይ መዕለቢ ይሰግርዎ ምህላዎም ተፈሊጡ።
ኣብቲ ዘካይድዎ ዘለዉ ኣኼባ ካብ ዝለዓሉ ዘለዉ ነጥብታት፣ ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ኮንፈረንሳት፣ ንሓገዝ ዝመፀ ስርናይ ኣመሓደርቲ በልዕኹሞ፤ መዳበርያ ብኣስገዳድ ዉሰዱ እናበኩም ህዝቢ ኣኽሲርኩሞ፤ ሰናይ ምምሕዳር ብኣመሓደርቲ ሰኒና፤ ወዘተ ኢሎም ዝገምገሙ ገለ ሰባት ማእሰርትን ምፍርራሕን ብኣመራርሓ ተጀሚሩ ዘሎ ንስርዓትና ናብ ዝገደደ ሓደጋ የምርሖ ኣሎ ዝብል ተላዒሉ ናብ ውልቀ ሰባት ክፅጋዕ ምስ ጀመረ፣ ኣብ ዉሽጢ እቲ ኣመራርሓ ኣፈላላይን ሓያል ምስሕሓብን ተፈጢሩ ከም ዝቐፀለ ካብቲ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣብ መወዳእታ እቲ ሓበሬታ፣ ኣብ ኣክሱም ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ናይ ዞባ ምብራቕ ሓላፊ ፍትሒ ሰሎሞን ዝተብሃለ ካብ ስርሑ ተኣጊዱ ከም ዘሎ፣ ከምኡ 'ውን ካብ ዓድዋ ሽሞም ንግዝኡ ዘይተነፀሩ ኣመራርሓ ካብ ስርሖም ዝተኣገዱ ከም ዘለውን ኣብ ዉሽጢ ኣመሓደርቲ ስልጣን ምድልዳል ዝወለዶ ወጥርን ዘይምስምማዕን ነጊሱ ምህላዉ ኣረዲኡ።     

No comments:

Post a Comment