Saturday, March 12, 2016

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ደቡብ ወሎ ወረዳ ቦረና ውሽጢ ኣብ ዝግበር ምልመላ ንርዳታ ዝኽተለዎ ዘለዉ ኣድልዎ ዝመንቀሊኡ ኣቦወንበር ቀበሌ ከም ዝተቐተለ ተፈሊጡ።



ምንጭታት ካብ'ቲ ቦታ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ደቡብ ወሎ ወረዳ ቦረና ኣብ ዝግበር ምልመላ ንርዳታ ዝፍፀም ዘሎ ኣድልዎ ዝነቐለ ኣቦወንበር ቀበሌ ዝኾነ ኣይተ ሓሰን ሙህዲን  ዝተብሃለ ውልቀ ሰብ፣ ብተደጋጋሚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ክፍፅሞ ብዝፀነሐ ብዝምድናን ግቦን ካልእ ሙስናዊ ኣሰራርሓን ምክንያት፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ለይቲ ሰዓት 4 ከባቢ ይኸውን ያሲን ተሰማ ዝተብሃለ ውልቀ ሰብ ናብ መንበሪ ገዝኡ ብኻድ ምንም ዝቕመስ ዘይብለ ካባይ ዝሕሸ ሰብ መዝግብካ ብምባል ብጥይት ተኲሱ ዝቐተሎ ምዃኑ ምንጭታት ኣፍሊጦም።
ኣብ ሃገርና ተፈጢሩሩ ብዘሎ ድርቂ ምኽንያት፣ ኣብ ዝግበር ምልመላ ንርዳታ ኣድልዎ ብሰፊሑ ዝረአ ዘሎ ኮይኑ፣ እዚ ዝቡዕ ኣሰራርሓ ዝወለዶ ናይ ምቕታል ስጉምቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ጥራሕ ዘጋጠመ ዘይኮነስ ኣብ መላእ እዛ ሃገር ዝረአ ኢ-ፍታሓዊ ኣሰራርሓ ዝወለዶ እውናዊ ስጉምቲ ኮይኑ ይቕፅል ምህላዉ ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ምንጭታትና ዝለኣኹልና ሓበሬታ የመላኽት።     

No comments:

Post a Comment