Saturday, March 12, 2016

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ወረዳ ኣርሲ ነገሌ ዝርከቡ ኣመራርሓ ኦህዴድ ህዝቢ ዘካየዶ ዘሎ ዓመፅ ኢዶም ኣለዎ ዝበሎም ሰባት ምእሳሮም ተገሊፁ።



ምንጭታትና ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ፣ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ወረዳ ኣርሲ ነገሌ ዝርከቡ ኣመራርሓ ኦህዴድ ህዝቢ ኣብ ዘካየዶ ዘሎ ዓመፅ ኢዶም ኣለዎ ካብ ዝተብሃሉ ሰበ ስልጣናት፣ ኣይተ ኣለሙ ደጉማ ናይ'ቲ ወረዳ ዋና ኣመሓዳሪ ዝነበረ፤ ኣይተ መልኪ ቶሎሳ ናይ ቀበሌ 02 ኣቦ ወንበር ዝነበረ፤ ኣይተ ኣስቻለው ግድሳ ናይ ውድብ ኦህዴድ ኣባላ ዝነበሩ ዝርከብዎም ሰባት  ብ23 ለካቲት 2008 ዓ.ም  ለይቲ ብዘይ ብቁዕ ምኽንያት ካብ መንበሪ ገዝኦም ምስተወሰዱ ክሳብ ሕዚ ኣበይ ከም ዘለዉ ሃለዋቶም ከም ዘይፍለጡን ቤተሰቦም ብተደጋጋሚ ብዛዕባ እቲ ኩነታት ንዝምልከቶ ኣካል መንግስቲ ጥርዓን ኣቕሪቦም መልሲ ዝህቦም ከም ዘይረኸቡን ዝበፀሓና ሓበሬታ ገሊፁ።
ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝቀፃፀል ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ እንትኾኖ ኣብ ኦህዴድ ኣመራርሓን ኣባላትን ካብ ሓላፍነት ናይ ምውራድን ምእሳርን ስጉምቲ ይወስድ ከም ዘሎ ዝበፀሓና ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።

No comments:

Post a Comment