Saturday, March 12, 2016

ህዝቢ ከተማ ሃረር ብምኽንያት ሕፅረት ዝስተ ማይ ይሳቐ ከም ዘሎ ምንጭታትና ካብ'ታ ከተማ ሓቢሮም።



ምንጭታትና ከም ዝገለፅዎ፣ ህዝቢ ከተማ ሃረር ቅድም ኢሉ ብሕፀረት ዝስተ ማይ ይሳቐ ከም ዝነበረ ድሕሪ ምግላፅ፣ ብፍላይ ድማ ካብ 27 ሕዳር 2008 ዓ/ም ኣትሒዙ ክሳብ ሕዚ ኣብ'ታ ከተማ ዝነብር ህዝቢ ካብቲ ልሙድ ብዝሰገረ ደረጃ ናይ ማይ ሕፅረት ኣጋጢምዎ ከም ዘሎን፣ ነዚ ፍታሕ ንምግባር ድማ መንግስቲ ካቢ ልሙድ ፕሮፖጋንድ ምንዛሕ ዝሓለፍ ንህዝቢ እታ ከተማ ዝረብሕ ስራሕ ይሰርሕ ከም ዘየሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ፣ ህዝቢ እታ ከተማ ንዕለታዊ መነባብርኡን ንመሳለጢ ኣብያተ ቁርስን ምግብን ዝኸውን ማይ ካብ ውልቀ ሃፋትም ብክባር ዋጋ ፅሬቱ ዘይሓለወ ማይ ይዕድግ ከም ዘሎን፣ ነዚ ድማ መንግስቲ እናራኣየ ፍታሕ እንድሕር ዘይገይሩ ሰብ ትካላት ዘለዓዓልዎ ኣብ'ታ ከተማ ሰለማዊ ሰልፊ ንምግባር ፊርማ የተኣኻኽቡ ከም ዘለዉን ነባሪ ህዝቢ 'ዉን ኣብ ጎኖም ኮይኑ ኣጀኹም ብምባል ይድግፎም ከም ዘሎ ተፈሊጡ።


No comments:

Post a Comment