Saturday, March 12, 2016

ሕቶታት ህዝቢ ብብረት ኣይዕገትን!!



          ኣብ ሓንቲ ሃገር ዝርከብ ገዛኢ ስርዓት፣ ምስ'ቲ የመሓድሮ ኣለኹ ዝብሎ ህዝቢ ዝህልዎ ቀጥታዊ ስኒትን ፖለቲካዊ ውህደትን ዝስማዕማዕ እንተኾይኑ፣ ኣብ ምርግጋፅ ረብሓን ተጠቃምነትን ህዝቢ ኣዝዩ ዓብዪ ለውጢ ከም ዘምፅእ ዘተሓታትት ኣይኮነን። ምኽንያቱ ፖለቲካዊ ምርድዳእ ሓደ ህዝቢ እንተደኣ ኣሎ፣ እቲ ገዛኢ ስርዓት ምስ ናይ ባዕሉ ህዝቢ ዝህልዎ ተመጋጋቢ ፖለቲካዊ ምርድዳእን ምርግጋዕን ከስፍን ስለ ዘኽእሎ።
        ነገር ግን ኣብ ከም ሃገርና ዝበለት ብውሕዳት መራሕቲ ዝውነን ፖሎቲካዊ ስልጣን፣ ናይ ኣብዛሓ ዜጋታት ረብሓ ንባዕሉ ብዝረብሕ ብሒቱ፣ ነፃነትን መሰልን ዓፊኑ፣ ልዕልነት ሕጊ ጥሒሱ ብፍፁማዊ ውልቀ ምልክነት ዝመሓደር ስርዓት ምስ ህዝቡ ስጡም ዝኾነ ርክብን ምርድዳእን ክፈጥርስ ይትረፍ፣ ብኣንፃሩ ኣብ ሞንጎ ቢሀር ቢሀረ ሰባትን ህዝብታትን ሓድነት ከይፍጠር ባዕሉ ሓዊ እናመለሰ  ዕድሚኡ ከናውሕ ኣብ ፃዕረ ሞት ይርከብ ኣሎ።
      በዚ መሰረት ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ሃገርና ኣብ ዝተፈላለዩ ካባብታት ዝለዓሉ ዘለው ተዃሳሕትን ዝተጠናኸሩን ተቓውሞታት፣ ህዝቢ ናይ ስልጣን በዓል ዋና ብዘይ ምዃኑን መሰረታዊ ናይ ዴሞክራሲ ሕቶታት ብምኳኖም፣ ነዚ ንምጭፍላቕ ገዛኢ ስርዓት ኢህወደግ ዝወስዶ ዘሎ ናይ ሓይሊ ስጉምትታት መፍትሒ ክኸውን ኣይከኣለን።
     እቶም ብዝተፈላለዩ መንገድታት ኣንፃር እቲ ዓፋኒ ስርዓት ዝለዓል ዘሎ ማዕበል ቃልስታት ብሓደ ግዜ ዝተፈጠሩ ዘይኮኑስ ንኣስታት ርብዒ ክፍለ ዘመን ዝኣክል ናይ ህዝቢ ዴሞክራስያዊ ሕቶታትን መሰረታዊ ድልየቱን ረብሓን ንምርግጋፅ ክብል ብውልቀ ይኹን ብጉጅለ ጥርዓናት እናቕረበ እናተቓለሰ ዝፈትሐሉ ኣካል ስኢኑ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበኣሰ ዝመፀን ዘሎን እዩ።
    ብምዃኑ ድማ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ገዛኢ ስርዓት ኢህወደግ፣ ኣብ ክንዲ ሕግን ስርዓትን ተኸቲሉ ፀገማት ዝፈትሕ፣ ብግልባጡ እዚ እንሪኦ ዘሎና ተቓውሞ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ብፍላይ ከዓ  ተቓውሞ ህዝቢ ኦሮሞ ኣብ ገፀር ይኹን ከተማ መራሕቲ ሃይማኖት ዝተሳተፍሉ ብቀንዱ ከዓ ተማሃሮ ላዕለዎት ትካላት ዩኒቨርሲቲ  ብዝለዓለ ሕራነን ድምፅን ተላዒሎም ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅን ስልጣን ናይ ህዝቢ ይኹን ኢሎም ብሰለማዊ  መንገዲ ሕቶኦም የቕርቡሉ ኣብ ዘለውሉ፣ ኣብ ክንዲ ንሕቶኦም ብምርዳእ ግቡእ ምላሽ ምሃብ፣ ኣድላዪ ዘይኮነ ናይ ፀለመ ኣሽማት ብምጥማቕ ብኣዓረር ብምጭፍጫፍ ህይወት ንፁሃት ዜጋታት ኣብ ማእከል ጎደና ደም ከልቢ ኮይኑ ክተርፍ ይገብር ኣሎ።
    እቲ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ ካብ'ቲ ሕገ መንግስቲ ዘፍቅዶ ስርዓት ኣካይዳ ወፃኢ ዘይኮነስ፣ ዜጋታት ብዘለዎም ዴሞክራስያዊ  መሰል ተጠቒሞም ድምፆም የስምዑ ኣብ ዘለውሉ ግዜ፣ ሰበ ስልጣናትን ካድረታትን ኢህወደግ  ትእዛዝ ብምሃብ ብሓይልታት ፀፅታ ነቲ ሰለማዊ ህዝቢ መግረፍትን እስራትን መቕተልትን  ክውርድሉ ከለው ናይቲ ገዛኢ ስርዓት ኣምባገነናዊ ባህሪ መግለፂ ምዃኑ ዘተሓታትት ኣይኮነን።
    ገዛኢ ስርዓት ኢህወደግ ብዘይ ዝኾነ ሕጋዊ መስርሕ ኣብ ልዕሊ ንፁሃት መናእሰይ ተምሃሮን ካልኦት ሰለማዊ  ህዝብን ንሕልፈተ ህይወት እንትፈርዶም፣ ናይ ብዙሓት ተምሃሮ ቤተ ሰብ ካብ ዝነበርዎ መንበሪ ገዘኦም ብምፍንቓል ክንገላትዑ እንትገብር፣ ከምኡ'ውን መራሕትን ኣባላት ናይ ተቓወምቲ ፓርቲ፣ ብስግኣት ዓይኒ ዝተርአዩ ፀሓፍትን ሙሁራት ፖሎቲካን ብለይቲ ካብ ዘለውዎ እናተሃደኑ ተዓፊኖም ኣብ ትሕቲ መቑሕ ክኣቱ ይገብር ኣሎ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ነቲ ዓይኑ ኣፍጢጡ ክውሕጦም ተደልዩ ዘሎ ናዕቢ ህዝቢ ኣንፈቱ ንምቕልባስ ንዉሽጣዊ ፀጋማቱ ንናይ ደገ ሓይልታት መዓልታዊ ከፀልም ይውዕል ኣሎ።    
   ናይ ህዝብታት ሕገ መንግስታዊ መሰላትን ሕቶታትን ዓፊኑ ብፍፁማዊ ኣገዛዝኣ ንምቕፃል ሎሚ እውን መቐፀልታ ናይ'ቶም ዝሓለፉ ስርዓታት ብዝበኣሰ መልክዑ ኣብ ኣደባባይ ንዝወፁ ሰለማውያን ተቓለስቲ ብሓይሊ ብረት ከልምስ እኳ ይፈትን እተሎ እንተኾነ ግን ህዝቢ ብዝለዓለ ክሕርን ኣኽኢሉዎ እዩ።
    ስለዚ ዓፈና ሕቶታት ህዝቢ ዝወለዶ፣ ቃልሲ ንፍትሒ፣ ንማዕርነትን ንዴሞክራስያዊ ለውጢ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞታት  ብሓይሊ ብረት ዓፈና ፍፁም ክዕገት ኣይካኣልን!!    

No comments:

Post a Comment