Friday, April 22, 2016

ኣኼባ "ጣና ፎርም" ንሓምሻይ ግዜ ኣብ ባህርዳር ኣብ ዝተኻየደሉ ህዝባዊ ናዕቢ ከይለዓል ዝሰገአ ስርዓት ኢህወዴግ፣ ነታ ከተማ ኣብ ትሕቲ ፅዑቕ ሓለዋ ወተሃደራትን ኣባላት ድህንነትን ኣእትይዋ ከም ዝቐነየ ተገሊፁ።



ብኹሉ ኩርናዓት ብዝለዓል ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ ዓቕሎም ዝፀበቦም ሰበ ስልጣን ኢህወዴግ፣ ነቲ ኣብ ከተማ ባህርዳር ካብ 8 ክሳብ 9 ሚያዝያ 2008 ዓ.ም ዝተኻየደ ኣኼባ ጣና ፎርም ህዝቢ ከም ሓደ ኣጋጣሚ ብምጥቃም ብኣገዛዝኣ እቲ ስርዓት ዝበፅሖ ዘሎ ዓፈናን ረገፃን ኣብ ቅድሚ እቶም ተኣከብቲ መራሕቲ ሃገራትን ትካላትን ጉዶም ከይቃላዕ ዓብዪ ስግኣት ስለ ዝሓደሮም፣ ነዚ ንምቁፅፃር ከተማ ባህርዳር ልዑል ቁፅሪ ዘለዎም ወተሃደራትን ኣባላት ድህንነትን ብምውፋር፣ ንነባሪ ህዝቢ ኣበይ ነይርካ ናበይ ኢኻ ብዝብሉ ሕቶታት ከጨናቕዎ ከም ዝቐንዩ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቶም ብተሽከርከርትን ብእግሮምን ካብን ናብን ጎደናታት ለይቲ ምስ ቀትሪ ጠጠው ኢሎም ክሕልዉ ዝቐንዩ ዕሱባት ናይ'ቲ ስርዓት፣ ሕጋውነት ብዘይብሉ መንገዲ፣ ኣብ ሆቴላትን ኣብያተ ምግብን ካልኦት ኣብያተ መስተን ብምእታው ይፍትሹን ደስ ንዘይብሎም ሰብ ከዓ ብበትሪ እናቐጥቀጡ ኣብ እሱር ይዳጉንዎ ከም ዝቐንዩ እቲ ሓበሬታ  ወሲኹ የረድእ።

No comments:

Post a Comment