Friday, April 22, 2016

ኣብዚ ቅንያት ኣብ ሞያሌን ከባብኣን ብዘጋጠመ ከቢድ ዝናብ ዘስዓቦ ምዕልቕላቕ ማይ እቲ ገዛኢ ስርዓት ክገብሮ ዝግብኦ ብዘይ ምግባሩ፣ ኣብ ሰብን ንብረትን ሰፍ ዘይብል ጉድኣት ከም ዘውረደ ንነበርቲ መሰረት ብምግባር ዝወፀ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።



ኣብ ክልል ሶማል ከተማ ሞያሌን ከባብኣን ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ካብ ቀዳም ምሸት ክሳብ ሰንበት ንዝወቐዐ ከቢድ ዝናብ ስዒቡ ብዝመፀ ሓያል ውሑጅ፣ ኣብ ሰብን ንብረትን ልዑል ጉድኣት ከም ዘብፀሐ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፣ እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ጉድኣት ከየብፅሐ ንምክልኻል ብገዛኢ ስርዓት ዝተወሃበ ቅድሚ መጠንቀቕታ ይኹን ኣብ እዋን ሓደጋ ዝተገብረ ህፁፅ ሓገዝ ብዘይ ምንባሩ፣  ሰለስተ ሰባት ህይወቶም እንትስእኑ ብርክት ዝበለ ገዛውትን ንብረትን ድማ ከም ዝዓነወ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ፣ ኣመሓደርቲ ገዛኢ ስርዓት እዚ ኩሉ ንብረትን ህይወትን እናዓነወ ልክዕ ምስ'ቲ ምንም ዓቕሚ ዘይብሉ ሰብ ብማዕዶ ጠጠው ኢሎም ክዕዘቡ ክትርኢ ዘሕዝን ኮይኑ፣ ሰራሕተኛታት ቀይሕ መስቀል ግና በታ ዘላቶም ዓቕሚ ንምሕጋዝ ላዕሊ ታሕቲ ይብሉን ዝተጎድኡ ብኣምቡላስ ናብ ትካላት ጥዕና ከግዕዙ ዝተዓዘቡ መንበሪ ገዝኦም ዓንዩ ጥሪቶምን ንብረቶምን ዝተወሰዶም ብማጓሰ ዝመሓደሩ ወገናት ድማ፣ መንግስቲ ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ምንታይ እዩ ክረድኣና ክብሉ የማሪሩ ከም ዝነበሩ ተገሊፁ።

No comments:

Post a Comment