Friday, April 22, 2016

ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ከተማ ሻሸመኔ ዝዕደል ዘሎ ገዛ መስርሒ መሬት ብሰብ ሞያ ከይተፈተሸ ይፍፀም ብምህላው፣ እቲ መሬት እናተደርመሰ ህይወት ሰብ የጥፍእ ከም ዘሎ ተገሊፁ።




ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ኣብ ከተማ ሻሸመኔ ንመንበሪ ገዛን ትካላትን መሰርሒ ተባሂሉ ውሽጣዊ ኩነታቱ ከይተፀንዐ ዝተዓደለ መሬት፣ ሰብ ዋና ገዛ ሰሪሖም ምስ ኣተዉዎ እቲ መሬት ተደርሚሱ ገዛውቲ ብምፍራስ፣ ህይወት ዜጋታት ንኮንቱ ይጠፍእን ንዓመታት ለፊዖም ዝሃነፅዎ ገዛ ይዓኑንን ስለ ዘሎ ነበርቲ ኣብ ዝረኸብዎ ኣጋጣሚ መረረቶም ይገልፁ ምህላዎም ተፈሊጡ።
ከም ሰዓቤን ናይ'ዚ ሸለልትነት ዝተመልኦ ኣተዓዳድላ መሬት ድማ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሕጋዊነት ኣብ ዝተዓደለ መሬት ዝተሰርሐ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝህብ ኣደራሽ፣ ብ3 ሚያዝያ 2008 ዓ.ም ሰኑይ መዓልቲ ብምፍራሱ ኣብ ዉሽጡ ካብ ዝነብሩ ብርክት ዝበሉ ወገናት፣ 10 ሰባት ሽዑ ንሽዑ ተፀቒጦም እንትሞቱ ካልኦት ሸሞንተ ድማ ብከቢድ ዝተጎድኡ ከም ዘለው ድሕሪ ምግላፅ፣ ነዚ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝበፅሕ ዘሎ ናይ ሞትን ጉድኣትን ዝሕተተሉ ኣብ ስልጣን ዝርከብ መንግስቲ ከም ዝኾነ ዝተፈላለዩ ኣካላት ሕብረተሰብ ኣብ ምግላፅ ይርከቡ።
  

No comments:

Post a Comment