Saturday, April 2, 2016

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዙርያ ባህርዳር ዝርከቡ ናይ ምዕራብ እዚ ሰራዊት ምስ ወተሃደራት ሱዳን ኣብ ዝገበርዎ ግጭት ወተሃደራት ኢትዮጵያ ግዳይ ምዉታትን ቁሱላትን ከም ዝኾኑ ተገሊፁ።



ምንጭታትና ዝልኣኽዎ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከቡ ናይ ምዕራብ እዚ ሰራዊት ምስ ወተሃደራት ሱዳን ብ11 መጋቢት 2008 ዓ/ም ስዓት 11 ናይ ለይቲ ኣብ ዝተፈጥረ ግጭት፣ 6 ናይ ኢትዮጵያ ወተሃደራት ሞይቶም ካልኦት ብርክት ዝበሉ እንትቖስሉ፣ ከምኡ እውን ነበርቲ ናይ'ቲ ከባቢ ዝኾኑ ኣይተ ደመቀ በላቸዉን ፍስሃ ፀጋዉን ዝተብሃሉ 2ተ ስቪላት ወገናት እውን በቲ ግጭት ከም ዝተቐተሉ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ንብርክት ዝበለ ዓመተታት ዝፀንሐ ግጭት ኣብዚ ሕዚ ስዓት ድማ ሰራዊት ኢትዩጵያ ምስ  ወተሃደራት ሱዳን  ኣብ ከቢድ ወጥሪ ኣትዮም ስለ ዝርከቡ፣ ሰበ ስልጣን ኢህወዴግ ድማ በቲ ተፈጢሩ ዘሎ ህውከት ተጨናኒቖም ከም ዘለው ካብቲ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።





No comments:

Post a Comment