Saturday, April 2, 2016

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ደቡብ ጎንደር ወረዳ ጋይንት ከተማ ንፋስ ማውጫ ዝርከቡ ነበርቲ ብሰንኪ ዘይምዕሩይ ኣተዓዳድላ ረድኤት ጎንፂ ከም ዝተለዓለ ምንጭታትና ሓቢሮም።



ምንጭታትና ካብ'ታ ከተማ ከም ዝሓበርዎ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ደቡብ ጎንደር ወረዳ ጋይንት ከተማ ንፋስ ማውጫ ዝርከቡ ነበርቲ፣ ንፅጉማንን ብድርቂ ዝተጠቕዑ ወገናት ንምሕጋዝ ተባሂሉ ካብ ለገስቲ ትካላትን ሃገራትን ዝመፀ ናይ ረድኤት እኽሊ፣ እቶም ኣመሓደርቲ ወረዳ ፈታውን ፀላእን ከውፅእሉ ካብ ዝተዓዘቡ ወገናት፣ ሓደ ኣይተ ደምበላሽ ይደግ ዝተብሃለ ብ6 መጋቢት 2008 ዓ/ም ኣብ ቅድሚ እቲ ረድኤት ክዕደል ዝተኣከበ ህዝቢ ንሓላፊ ርክብ ህዝቢ ናይ'ታ ወረዳ   በላቸው ኣላምረው ዝተብሃለ ካድረ ብበትሪ ኣብ ርእሱ ወቂዑ ከም ዘውደቖ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣብ  መወዳእታ ናይ'ታ ወረዳ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ዝኾነ ኣይተ አያሌው ሽመቴ ዝተብሃለ ካድረ ነቲ ርዳታ ክቕበል ዝተኣከበ ህዝቢ ነናብ ገዛኹም ኪዱ፣ ከም እንደገና መንዩ ድኻ መንዩ ሃብታም ኢልና ክነፃርዮ ኢና ከም ዝበሎም እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ።

No comments:

Post a Comment