Saturday, April 2, 2016

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ደቡብ ዎሎ ወረዳ ጅማ ዝርከቡ ነበርቲ ብናይ መሬት ዝተልዓለ ግጭት ሂወት ሰብ ከም ዝሓለፈ ተፈሊጡ።



ካብቲ ቦታ ዝበፀሐና ሓበሬታ ከም ዘርድኦ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ደቡብ ወሎ ወረዳ ጅማ ኣልሻማ ኣብ ዝበሃል ጣብያ ዝርከቡ ነበርቲ ብዕለት 6 መጋቢት 2008 ዓ/ም ብናይ መሬት ዝተልዓለ ግጭት ኣይተ ኣረጋው ይመርን ኣይተ ሙሓመድ ሰይድ ዝተብሃሉ ውልቀ ሰባት ከም ዝተቐተሉ ድሕሪ ምግላፅ፣ ምኽንያት እቲ ዝተልዓለ ግጭት ድማ እቲ ስርዓት ብዝኽተሎ ኣዕናዊ ፖሊስን ብዝዘርግሖ ብልሹው ምምሕዳራዊ ናይ መሬት ሽግርን ብምዃኑ ኣብዚ ሐዚ እዋን ካብ ቤተሰቦምን ካብ'ቲ ከባብን  ገዲፎሞ ለቒቖም ከም ዘለው ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዘርድኦ፣ ብሰንኪ እቲ ስርዓት ዝኽተሎ ኣዕናዊ ፖሊስን ግዕዙይ ምምሕዳርን ዝፈጠሮም ምኽንያት ነብርቲ ናይ'ታ ጣብያ ዝኾኑ ሕብረተሰብ መዓልታዊ ስርሖም ኣቋሪፆም ኣብ ከቢድ ኣኼባ ኣብ ምኽያድ እኳ እንተለው፣ ክሳብ ሕዚ እቲ ስርዓት ዝኾነ ዓይነት ብዛዕባ እቲ ዝተልዓለ ግጭት ንምፅራይን ንምስትኽኻልን ዝተገበረ ነገር ብዘይ ምህላው ህዝቢ ክሳብ ሕዚ ንመስኖ ዝኸውን መሬትን ካልእን ምኽንያታት ባዕሉ ንባዕሉ ግጭት እናልዓለ ሂወት ሰብ ይሓልፍ ከም ዘሎ ኣብ'ቲ ቦታ ዝርከቡ ምንጭታትና ካብ ዝለኣኹዎ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።  

No comments:

Post a Comment