Wednesday, April 27, 2016

ኣብ ህዝቢ ጋምቤላ ንዘጋጠመ መጥቃዕቲ ስዒቡ ናይ ሓንቲ ሃገር ዶብ ተደፊሩ ህዝቢ ንዝተፈላለየ መጥቃዕቲ ክቃላዕ ዝኽእል፣ ብህዝቡን ሃገሩን ዘይቁርቆር ስርዓት ምስ ዝህሉ ምዃኑ ይግለፅ ኣሎ።



ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ ክልል ጋምቤላ ኣብ ልዕሊ ዜጋታና ንዘጋጠመ ኣረሜዊ መጥቃዕቲ ስዒቡ ብርክት ዝበሉ ወገናት ናይ ሓንቲ ልእላዊት ሃገር ዶብ ክድፈር ዝኽእል ህዝቢ ንዝተፈላለየ መጥቃዕቲ ክቃላዕ ዝኽእል፣ ብህዝቡ ዘይግደስ ስርዓት ኣብታ ሃገር እንተድኣ ሃልዩ ህዝቢ ብዝተፈላለዩ ሓይልታት ግዳይ መጥቃዕቲ ይኸውን ክብሉ ቡዙሓት ወገናት ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ ተገሊፁ።    
ን25 ዓምታት ብሓይሉ ኣብ ስልጣን ፀኒሑ ሕዚ 'ዉን ይቕፅል ዘሎ ዓፋኒ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ፣ ብተደጋጋሚ ናይ ሃገርናን ህዝብናን ጥቕምን ድሕነትን ንሓደጋ እናቃልዐ ንባዕሉ ናይቲ ሓደጋ ፈጣሪ እናኾነ መፂኡ እዩ ብምባል ዜጋታትና ነቲ ስርዓት ይነቕፉ ዘለዉ እኳ እንተኾኑ፣ ይኹን 'በር እቲ ስርዓት ኣብ ክንዲ ዘላቒ ፍታሕ ዘምፅእ ብኣንፃሩ ናይ ስልጣን ዕድሚኡ ንምንዋሕ ክብል ናይ ህዉከትን ዕግርግርን ተግባራት ይፍፅም ምህላዉ ተሓቢሩ። 
ኣብዚ ሰሙን እዚ ካብ ደቡብ ሱዳን ብዝመፁ ዕጡቛት ሓይልታት ዝተቐተሉ ወገናትና ኣብ ኢትዮጵያ ናይ መንግስቲ ኣልቦነት ከም ዘሎ ዘመላኽት እዩ ዝበለ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፣ ኣብ ዉሽጥን ወፃእን ዝርከቡ ወገናት ንድሕነት ሃገር ንዴሞክራስን ንሰብኣዊ መሰልን ዝቖሙ ወገናትን ዉድባትን ነቲ ኣሰቃቒ ተግባር ኣትሪሮም ክኹንንዎ ይግባእ ክብሉ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብርክት ዝበሉ ዜጋታትና ክዛረቡ ምቕናዮም እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ። 

No comments:

Post a Comment