Wednesday, April 6, 2016

ስርዓት ኢህወዴግ ንሱዳን መሬት ንምሃብ ኣብ ድርድር ከም ዘሎን በዚ ድማ ህዝቢ ጎንደር ተቓዉምኡ የስምዕ ከም ዘሎ ተገሊፁ።



ውልቀ መላኺ ስርዓት ኢህወዴግ መሬት ኢትዮጵያ ንሱዳን ቆሪሱ ንምሃብ ይደራደረ ኣሎ ዝበሉ ምንጭታትና፣ ኣብዚ ቀረባ መዓልትታት ንሓሙሽተ መዓልቲ ዝኣክል፣ በቲ ስርዓት ምስ ነባሪ ህዝቢ ከተማ ጎንደር  ኣብ ዘካየዶ ህዝባዊ ምይይጥ፣ ብዘይ ዉፅኢት ዝተበተነ እንትኸዉን፣ እቲ ኣኼባ ምስ ተበተነ ድማ ዝተፈላለዩ ሕቶታትን ሰለማዊ ሰልፍን የተሓባብሩ ነይሮም ዝተብሃሉ ሰባት፣ ብኣካላት ፀጥታ እቲ ስርዓት ካብ ገዝኦም ለይቲ ብምዉሳድ ክሳብ ሕዚ ኣበይ ከም ዘለዉ ዘይፍለጥ ከም ዝኾነ ካብ'ቲ ቦታ ዝበፅሓና ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ብተወሳኺ ህዝቢ ዝተኣሰሩ ይፈትሑ ኢሉ ንሰበ ስልጣን መንግስቲ የቕርብ ከም ዘሎ ኮይኑ፣ እንተኾነ ግን ንሕቶኦም ዝምልስ መንግስታዊ ኣካል ከም ዘይረኸቡ፣ እቲ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣገንዚቡ።

No comments:

Post a Comment