Wednesday, April 6, 2016

ኣብዚ ሰሙን ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ንግፍዐኛ ስርዓት ኢህወዴግ ብምቅዋም ናብ ታዕሊም ዴምህት ምፅባሮም ተፈሊጡ።



ናብ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ /ዴምህት/ ማእኸል መሰልጠኒ ካብ ዝተፀንበሩ መናእሰይ ውሽጢ ዝተወሰኑ ንምጥቃስ ዝኣክል፦
- ሰመረ ገብረዮውሃንስን ምስግና ፀጋይን ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ ኣሕፈሮም ጣብያ ገርሁ ስርናይ፣
- ሓድጉ ተስፋይ ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ መረብ ለኸ ጣብያ ምሕቛን፣
- ብርሃን ጉዕሽ፤ ፍትሓዊ ፀጋይን ምችው ዜናዊን ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ መረብ ለኸ ጣብያ ማይ ወዲ ዓምበራይ፣
- ፍፁም ኣውዓላ፤ ኤፍሬም ፃዕሩን ስእለይ ጉዕሽን ካብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ኢሮብ ጣብያ እንዳልጌዳ፣
- ኣንገሶም ጌታሁን ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ  መረብ ለኸ ጣብያ በሪሃ፣
- ይመር ኣሕመድ ካብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ደቡብ ጎንደር በጨተ ኣብ ዝብሃል ከባቢ ዝዓዱ፣
- ሽሻይ የማነ ካብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ጉለ መኸዳ ጣብያ ኣዲስ ኣለም እንትኾኑ፣ እዞም መናእሰይ ኣብ ጎኒ ዴምህት ተሰሊፎም ክቃለሱ ካብ ዘገደዶም ምኽንያት እንትገልፁ፣ በቲ ስርዓት ዝፍፀሙ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል፤ ዜጋታት ነንባዕሎም ከይተኣማመኑ ብምግባር፤ ህዝቢ ዘጋጠሞ ሽግር መነባብሮ ዘይምፍታሕ፤ ሰሪሕኻ ንምንባር ስራሕ ዘይምህላዉ ካልእን ከም ዝኾነ ገሊፆም።
ብፍላይ ሓድጉ ተስፋይ ከም ዝገለፆ፣ ብሽፎርነት ዝሰርሐሉ ኣብ ዝነበረ ከተማ ሃረር ካድረታት እቲ ስርዓት ተወለድቲ ትግራይ ንዝኾኑ ሰራሕተኛታት ዝተፈለየ ምኽንያት ብፍጣር ከም ዝኣስሩን ከም ዝቐተሉን ድሕሪ ምግላፅ፣ ብኡ ብምስጋእ ናብ ዝተወለደሉ ኣከባቢ እንተተመለሰ 'ውን ስራሕ ዝብሃል ስኢኑ ክንከራተት ከም ዝፀነሐን ካልኦት መናእሰይን 'ውን ኣብ ሽግር ምዃኖም ኣረዲኡ።

No comments:

Post a Comment