ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና፣ ኣብ ምሉእ ከተማ ዓዲ ግራት ቅድም ኢሉ ዝስተ
ፅሩይ ማይ ክባፃሕ ኣይከኣለን ተባሂሉ ኣብ ክንድኡ ኣብ'ታ ከተማ ኣብ ዝርከባ መከፋፈሊ ነቑጣታት ክዕደል ተጀሚሩ ብዙሕ ከይፀነሐ
ከም ዝተቛረፀ ድሕሪ ምግላፅ፣ ካብቲ ዝተቛረፀሉ እዋን ኣትሒዙ ክሳብ ሕዚ ነባሪ ህዝቢ ብስእነት ፅሩይ ማይ ንዝኸፈአ ማሕበራዊ መነብብሮ ምስጥሑ መረረቱ ወገሐ ፀበሐ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ቀሪቡ እወንታዊ ምላሽ ክርከብ
ከም ዘይተኸኣለ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ብካልእ
ወገን ድማ ኣብ'ታ ከተማ ዘሎ ፍታሕ ዝሰኣነ ምጥፋእን ምቁራራፅን መብራህቲ ዝወለዶ እቲ ካልእ ማሕበረሰብ ገድፍካ ኣብ ልዕሊ ብማሽነሪ
ዝሰርሑ ትካላትን ንግዳዊ ምንቅስቓሳትን ዘስዕቦ ዘሎ ክሳራታት ከቢድ ምዃኑ ካብ ውልቀሰብ ሰጊሩ ኣብ ልዕሊ ኢኮኖሚ ሃገር ዘለዎ
ሰዓቤን ልዑል ኮይኑ ምህላው ነበርቲ እታ ከተማ ንምጭታትና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ገሊፆም።
No comments:
Post a Comment