Monday, April 11, 2016

ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ማእኽል ካብ ከተማ ዓድዋ ክሳብ ወረዳ መረብ ለኸ ዝወስድ ፅርግያ ብዘይ ምስርሑ ነበርቲ ንከቢድ ሽግር ምቅልዖም ተገሊፁ።



ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ማእኸል ካብ ከተማ ዓድዋ ናብ ወረዳ መረብ ለኸ ዝወስድ መንገዲ ተሽከርከርቲ መኪና ስለ ዝተፈራረሰ ነበርቲ ንኸቢድ ሽግር ምቅልዖም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፣ ብፍላይ ዝሓመሙ ሰባትን ኣብ ወሊድ ግዜ ኣዴታት ኣብ እዋኑ ረድኤት ሕክምና ናብ ዝረኽባሉ ክበፅሓ ስለ ዘይኽእላን ንሓደጋ ሞትን ስቓይን ይቃልዑ ምህላዎም እቲ ሓበሬታ ገሊፁ።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ፣ ነበርቲ ወረዳ መረብ ለኸ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝተገብረ ኣኼባ ከም ዝገለፅዎ፣ ኩሎም ወረዳታትን ጣብያታትን ብፅርግያ መኪና ተራኺቦም እናበልኩም ትነዝሕዎ ፕሮፖጋንዳ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ ብምባል ኣብ ልዕሊ ኣመራርሓ ገዛኢ ስርዓት ህወሓት-ኢህወዴግ ኣምሪሮም ምዝራቦም ተፈሊጡ።  

No comments:

Post a Comment