Monday, April 11, 2016

ኣብ ከተማ ውቕሮ ብዞባ ደረጃ ኣብ ዝተሳለጠ ናይ ሓለፍቲ ኣኼባ፣ ኣመሓደርቲ ኣይትሰርሑን ዘለኹም ዝብል ሓሳብ ብተሳተፍቲ ከም ዝቐረበ ተገሊፁ።



እቲ ብዋና ኣመሓዳሪት ዞባ ምብራቕ ትግራይ ያለም ፀጋይ ዝተመረሐ ገምጋማዊ ኣኼባ ብ13 መጋቢት 2008 ዓ.ም ከም ዝተሳለጠ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፣ ኣጀንዳ እቲ ኣኼባ ድማ ክራይ ኣካብነት ንምድራቕ ሰናይ ምምሕዳር ኣብ ምንጋስ ኣመሓደርቲ ከተማታትን ገጠራን ንምፍታሽ ዝብል እኳ እንተነበረ፣ ብተሳተፍቲ ኣብ ልዕሊ ኣመሓደርቲ ሽም እናጠቐሱ ብመርትዖ ዝተደገፈ በሊሕ ገምጋም ምስ ቀረበ ግን ፀገመይ እዩ ኢሉ ተፀፂቱ ዝቕበል እሞ ይትረፍ ተገልቢጦም ኣብ ልዕሊ ነቶም በሊሕ ገምጋም ዘቕረቡ ወገናት መፈራርሒ ቃላት ብምውርዋር መልሲ ይህቡ ከም ዝነበሩ ንተሳተፍቲ መሰረት ብምግብር ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ካብ'ቶም ኣብቲ ኣኼባ ተሪር ነቓፊ ገምጋም ዝቐረበሎም ሽሞኛታት ገዛኢ ስርዓት ህወሓት/ኢህወደግ ከንቲባ ከተማ ዓዲ ግራት ተስፋልደት ------- ኮይኑ፣ ንሱ ነቲ ብተሳተፍቲ ዝቐረበሉ ብመረዳእታ ዝተደገፈ ነቐፌታ ምስምስ ዝተመልኦ መልሲ ብምሃብ ክሓልፎ እኳ እንተፈተነ፣ ኣብ መወዳእታ ግን  ካብ ሽሞቱ ወሪዱ ጉዳዩ ብሕጊ ክፃረ ከም ዘለዎ ከም ዝተገምገመ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ከም ዝፍለጥ እዚ ዝተጠቐሰ ከቲባ ከተማ ዓዲ ግራት ብዝፍፅሞ ተደጋጋሚ ከቢድ ምምሕዳራዊ ጥፍኣታትን ክራይ ኣካብነትን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብነባሪ ህዝቢ ተገምጊሙ ካብ ሓላፍነቱ ክባረር ከም ዘለዎ ተወሲኑ እኳ እንተነበረ፣ ናይ ህዝቢ ስምዒትን ርኢቶን ክቕበሉ ፍቓደኛታት ዘይኮኑ ሰበ ስልጣን ክልል ትግራይ ግን ምንም ከይበለዎ ክሳብ ሕዚ ኣብ ሓላፍነቱ ክቕፅል ኣኽኢለሞ እዮም።  

No comments:

Post a Comment